8 ብዝሒ ጡብ ግና፥ ከምቲ ቐደም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኣስርሕዎም እምበር፥ ካብኡ ሓንቲ እኳ ኣየጕድሉ። ‘ንኣምላኽና ኽንስውእ ክንከይድ ስደደና’ እናበሉ ዝጠርዑ ዘለዉ ስራሕ ስለ ዝሰልከዮም እዩ እሞ።
ኣብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሃቦም፤ እቶም ፀላእቶም ድማ ገዝእዎም።
ብብርቱዕ ስራሕ ምእንቲ ኸጭንቑሎም ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርዖን ከዓ ፊቶምን ራምሴን ዝተብሃላ ፅኑዓት ኸተማታት ሰርሑ።
ንሱ ግና “ሃካያት! ንስኻትኩም ሃካያት ኢኹም። ‘ንእግዚኣብሄር ክንስውእ ክንከይድ ስደደና’ ትብሉ ዘለኹምውን በዝ ምኽንያት እዙይ ኢኹም።
እቶም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ድማ “ካብቲ ንመዓልቲ ዝተመደበ ቝፅሪ ጡብ ኣይተጕድሉ” ምስ ተብሃሉ መከራ ኸም ዝፀንዖም ተረድኡ።
“ደጊም ባዕልቶም ከይዶም ሓሰር ይኣክቡ እምበር፥ ነቶም ህዝቢ ኸም ቀደምኩም፥ ንመስርሒ ጡብ ዝኸውን ሓሰር ኣይትሃብዎም።
እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ዘረባ ሓሰት ምእንቲ ኸየቕልቡ ስራሕ ኣኽብዱሎም፤ ካብ ስራሕውን ፈንተት ኣይተብልዎም” በሎም።