4 ንጉስ ግብፂ ኸዓ “ንስኻትኩም ሙሴን ኣሮንን! ስለ ምንታይ ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ስራሑ ተብኵርዎ ኣለኹም? ናብ ስራሕኹም ኪዱ” በሎም።
ብብርቱዕ ስራሕ ምእንቲ ኸጭንቑሎም ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርዖን ከዓ ፊቶምን ራምሴን ዝተብሃላ ፅኑዓት ኸተማታት ሰርሑ።
በቲ ወርሓት እቱይ፥ ሙሴ ምስ ዓበየ፥ ናብ ኣሕዋቱ ኸይዱ ነቲ ብርቱዕ ፃዕሮም ረአየ። ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ፥ ካብቶም ወገናቱ ንዝኾነ ሓደ ዕብራዊ፥ ክወቕዖ እንተሎ ረአየ።
ሕዚ ድማ፥ ግብፃውያን ባሮት ገይሮም ናይ ዝገዝእዎም ደቂ እስራኤል ብኽያት ሰሚዐ ኺዳነይ ዘከርኩ።”
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ንንጉስ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ጕድኣት ህዝቢ እምበር፥ ድሕነቱ ዘይደሊ ስለ ዝኾነ፥ ከምዙይ ዘመሰለ ቓል እናተዛረበ፥ ነቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትን፥ ንዅሉ ህዝብን ተስፋ የቝርፆም ኣሎ እሞ፥ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣቕትሎ” በልዎ።
ሽዑ ኣሜስያስ ካህን ቤቴል፥ ናብ ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል፥ ከምዙይ ኢሉ መልእኽቲ ለኣኸ፦ “ኣሞፅ ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ሻራ ገይሩልካ ኣሎ። እታ ምድሪ እውን ንዅሉ ቓላቱ ክትፀውር ኣይትኽእልን እያ።
ንሳቶም ድማ “እዝ ሰብዙይ ንህዝብና እንተስሕቶም፥ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ እንትኽልክሎም፥ ባዕሉውን ‘ክርስቶስ ንጉስ እየ’ እናበለ፥ ክዛረቦም እንተሎ ረኺብናዮ” እናበሉ ክኸስዎ ጀመሩ።
እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ናይቶም ናዝራውያን ተብሂሎም ዝፅውዑ ወገን መራሒ እዩ፤ በብዓዱ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ድማ፥ ዕግርግርን ህውከትን እናፈጠረ፥ ሕማም ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።