Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 5:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ሙሴን ኣሮንን ድማ “ኣምላኽ ዕብራውያን ተራኺቡና እዩ እሞ፥ ፌራ ወይ ውግእ ምእንቲ ኸየውርደልናስ፥ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ኼድና፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና መስዋእቲ ኽነቕርበሉ፥ ፍቐደልና” በልዎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 5:3
12 Referencias Cruzadas  

ብመጀመርታ ኣብኡ ምስ ተቐመጡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘየምለኽዎ፥ ኣናብስ ሰደደሎም፤ እቶም ኣናብስ ከዓ ኻብኣቶም ውሱናት ቀተሉ።


እምበኣር ከምቶም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኽሳድ ኣይትኹኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተገዝእዎ፤ ናብቲ ንዘለኣለም ዝቐደሶ መቕደሱ ንዑ፤ ቍጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኽምለስ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣምልኹ።


እቲ ዅሉ ኣምላኽ ሰማይ ዝኣዘዞ፥ ንቤት ኣምላኽ ሰማይ ብጥንቃቐ ይወሃብ። ስለ ምንታይከ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንጉስን ኣብ ልዕሊ ደቁን ቊጥዓ ዝመፅእ?


“እቶም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ቓልካ ኽሰምዑ እዮም። ንስኻን ንሳቶምን ናብ ንጉስ ግብፂ ኣቲኹም ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ተገለፀልና። ሕዚ ድማ በይዛኻ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና መስዋእቲ ኽነቕርብ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ ስደደና’ በልዎ።


ሽዑ ኸዓ ንፈርዖን ከምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን፥ ንህዝበይ ኣብ ምድረ በዳ ኸገልግሉኒ ክኸዱ ስደዶም፤ ክብለካ ናባኻ ለኣኸኒ፤ እንሆ ድማ ኽሳዕ ሕዚ ኣይሰማዕኻን።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ፈርዖን ኬድካ ‘ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣንጊህኻ ተስእ፤ ፈርዖን ናብ ማይ እንትወርድ ኣብ ቅድሚኡ ደው በል። እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸገልግለኒ ንህዝበይ ክኸይድ ስደድ።


ከምቲ እግዚኣብሄር ዝእዝዘና ዘሎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእስ፥ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ኽንከይድ ኢና” በሎ።


“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክወድቁ እዮም እሞ፥ ብኢድካ ኣጣቕዕ፤ ብእግርኻ ኸዓ ኾደብደብ በል፤ ብዛዕባ ዅሉ ናይ ቤት እስራኤል ርኽሰት ድማ፥ ወዮ! በል።


ኪዳነይ ስለ ዘፍረስኩም ንመቕፅዒኹም ውግእ ከምፅእ እየ፤ ኣብ ከተማታትኩም እንተ ተሓቢእኹም ከዓ ናብ ማእኸልኩም ሕማም ፌራ ኽሰድድ እየ፤ ኣብ ኢድ ፀላኢኹም እውን ክትወድቁ ኢኹም።


ካብታ ኽትወርስዋ እትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ኽሳዕ ዘፍልሰኩም፥ እግዚኣብሄር ሕማም ፌራ ከልግበልኩም እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos