Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 5:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ፈርዖን ድማ “እቲ ቓሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሰዶምስ፥ እግዚኣብሄር መን እዩ? ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን እየ፤ ንእስራኤል ከዓ ኣይሰዶን እየ” በሎም።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 5:2
25 Referencias Cruzadas  

ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ንሃገሮም ካብ ኢደይ ዘድሓኑ ኣየንኦም እዮም? እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ካብ ኢደይ ከድሕና ዝኽእል ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ?”


ካብቶም ኣማልኽቲ ናይዞም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ እዚኣቶምከ ንህዝቡ ኸናግፍ ዝኸኣለ ኣምላኽ መን እዩ? ኣምላኽኩምከ ኻብ ኢደይ ከናግፈኩምዶ ይከኣሎ እዩ?


እምበኣር ሕዝቅያስ ኣይጠብርኩም በዝ ነገር እዙይውን ኣይሓባብልኩም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣይትእመንዎ። ናይ ዝኾነ ይኹን ህዝብን መንግስትን ኣምላኽ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ወይ ካብ ኢድ ኣቦታተይ ከናግፎ ዝኸኣለ የለን፤ ኣምላኽኩም ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ኻብ ኢደይ ዘናግፈኩም?”


ብዛዕባ ኣምላኽ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ከምቲ ብዛዕባ እቶም ስራሕ ኢድ ሰብ ዝኾኑ ናይዝ ዓለምዙይ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ገይሮም ይዛረቡ ነበሩ።


ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰራዊቱን ኣብ ዅሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ተኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከም ዝገፍዕዎም ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፥ ከምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ስምካ ኣፀዋዕኻ።


ክፃረሮ ኢሉ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ይዝርግሕ፤ ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽውን ይተሃላለኾ።


ብተሪር ክሳዱን ብረጒድ ዋልታኡን እናነሃረ ይመፆ።


ክነምልኮኸ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር መን እዩ? ወይ ናብኡ እንተ ፀለናኸ እንታይ ክንረክብ ኢና” ይብሉ።


ሓጢኣተኛ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ፤ ከም ብዝሒ ቝጥዓኡውን ኣይመራመሮን፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ እግዚኣብሄር የለን።


“ምእንቲ ግፍዒ ጥቑዓትን ምእንቲ ብኽያት ምስኪናትን ሕዚ ኽትስእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ድሕነት ክገብር እየ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክገልፆ እየ።”


ሰነፍ ብልቡ “እግዚኣብሄር የለን” ይብል፤ ብስራሖም ረኸሱን ተበላሸዉን፤ ሰናይ ዝገብር ሓደ እኳ የለን።


ግና ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ንጉስ ግብፂ ኽትከዱ ኸም ዘይሰደኩም እፈልጥ እየ።


እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ በዙይ ክትፈልጥ ኢኻ፦ እንሆ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ሩባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። እቲ ማይ ድማ ናብ ደም ክልወጥ እዩ።


“ግና ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዘዝኩም እሞ ‘ኣይፋልናን፤ ናብታ ውግእ ዘይንርእየላ፥ ድምፂ መለኸት ዘይንሰምዐላ፥ እንጀራ ዘይንጠምየላ ሃገር ግብፂ ግዒዝና ኽንቅመጥ ኢና እምበር፥ ኣብዛ ሃገር እዚኣስ ኣይንቕመጥን’ እንተ በልኩም፥


እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ “ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኰሪዑ እዩሞ፥ ኣስክርዎ። ኣብ ትፍአቱውን ይንከባለል፤ መስሓቒውን ይኹን።


ሕዚ እውን ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ክትሰምዑ እንተለኹም፥ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ እንተ ሰገድኩም ሰናይ እዩ። እንተ ዘይሰጊድኩምሉ ግና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዘድሕነኩም ኣምላኽከ መን እዩ?” በሎም።


እዝ ዅሉ ዝገብሩኹም፥ ነቦይ ኮነ ንኣይ፥ ስለ ዘይፈለጡ እዮም።


ከምቲ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዘይደለዩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነውሪ ኽፍፅሙ፥ ንዘየስተውዕል ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም።


ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎን፥ ነቶም ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን፥ ሕነ ኽፈድዮም እዩ።


ኵሉ እቲ ትውልዲ እቱይ ናብ ኣቦታቱ ተኣከበ። ብድሕሪኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብርን ዘይፈልጥ ካልእ ትውልዲ ተልዓለ።


ደቂ ኤሊ ግና ኽፉኣት ነበሩ፤ ፍርሓት እግዚኣብሄርውን ኣይነበሮምን።


ናባል ድማ ነቶም ኣገልገልቲ ዳዊት “ዳዊት መን እዩ? ወዲ እሴይከ መን እዩ? ሎሚ እኮ ኸካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ኣገልገልቲ ብዙሓት እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos