15 እቶም ኣሕሉቕ ደቂ እስራኤል ከዓ ናብ ፈርዖን ከይዶም “ስለ ምንታይ ንኣና ንኣገልገልትኻ ኸምዙይ ትገብረና ኣለኻ?
ኣብኡ እሱራት ብሓባር ኣዕሪፎም ኣለዉ፤ ድምፂ እቶም ዘጨንቕዎምውን ኣይሰምዑን።
ብብርቱዕ ስራሕ ምእንቲ ኸጭንቑሎም ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርዖን ከዓ ፊቶምን ራምሴን ዝተብሃላ ፅኑዓት ኸተማታት ሰርሑ።
እቶም ኣዘዝቶም ናይ ንጉስ ተቘፃፀርቲ ኸዓ፥ ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ ክኾኑ ዝሾምዎም ደቂ እስራኤል፥ “እቲ ዝተመደበልኩም ስራሕ ጡብ ትማልን ሎምን ደኣ ኸመይ ከም ቀደምኩም ዘየማላእኹም?” እናበሉ ገረፍዎም።
ሓሰር ኣይህቡናን፤ ጡብ ከዓ ኸምቲ ናይ ቀደምኩም ግበሩ ይብሉና። እንሆ ድማ ንሕና ኣገልገልትኻ ተገረፍና። በዲሎም ዘለዉ ግና ህዝብኻ እዮም” እናበሉ ጠርዑ።