13 እቶም ኣዘዝቶም ድማ “እቲ ነንመዓልቱ ዝተመደበ ስራሕ፥ ከምቲ ሓሰር እንትወሃበኩም እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ነንመዓልቱ ኣማልኡ” እናበሉ ኣዳፍእዎም።
ከምቲ ፅሑፍ ድማ ናይ ዳስ በዓል ኣብዓሉ፤ ከምቲ ስርዓቱ ነንመዓልቲ ዝተመደበ፥ ንመዓልቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ብቝፅሪ ኣቕረቡ።
ብናይ ከተማ ጫውጫውታ ይስሕቕ፤ ደሃይ ኰብኳቢውን ኣይሰምዕን።
ብብርቱዕ ስራሕ ምእንቲ ኸጭንቑሎም ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርዖን ከዓ ፊቶምን ራምሴን ዝተብሃላ ፅኑዓት ኸተማታት ሰርሑ።
ናብቲ ኽትረኽቡሉ እትኽእሉ ቦታ ኼድኩም ባዕልትኹም ሓሰር ኣክቡ። ካብቲ ስራሕኹም ግና ሓደኳ ኣይጕደል’ ” በልዎም።
በዝ ምኽንያት እዙይ፥ እቲ ህዝቢ ሓሰር ክእክብ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ፋሕ በለ።
እቶም ኣዘዝቶም ናይ ንጉስ ተቘፃፀርቲ ኸዓ፥ ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ ክኾኑ ዝሾምዎም ደቂ እስራኤል፥ “እቲ ዝተመደበልኩም ስራሕ ጡብ ትማልን ሎምን ደኣ ኸመይ ከም ቀደምኩም ዘየማላእኹም?” እናበሉ ገረፍዎም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ፈርዖን ነቶም ኣዘዝቶምን ነቶም ኣሕሉቕ ዝኾኑን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦