12 በዝ ምኽንያት እዙይ፥ እቲ ህዝቢ ሓሰር ክእክብ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ፋሕ በለ።
ንዝቃወሙኻ ብዕቤት ግርማኻ ኣጥፋእኻዮም፤ ቍጥዓኻ ሰደድካ፤ ከም ሓሰር ድማ በልዖም።
ናብቲ ኽትረኽቡሉ እትኽእሉ ቦታ ኼድኩም ባዕልትኹም ሓሰር ኣክቡ። ካብቲ ስራሕኹም ግና ሓደኳ ኣይጕደል’ ” በልዎም።
እቶም ኣዘዝቶም ድማ “እቲ ነንመዓልቱ ዝተመደበ ስራሕ፥ ከምቲ ሓሰር እንትወሃበኩም እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ነንመዓልቱ ኣማልኡ” እናበሉ ኣዳፍእዎም።
“እንሆ፥ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፤ ሓዊ ኸዓ ኸቃፅሎም እዩ፤ ካብቲ ሓይሊ ሃልሃልታ ሓዊ ዝተልዓለ፥ ንርእሶም ከድሕኑ ኣይኽእሉን፤ እቲ ሓዊ ንሱ ሰብ ዝሞቖ ጓህሪ፥ ወይ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ዝበሃለሉ ሓዊ ኣይኮነን።
ንሕጊ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንዒቖምዎ፥ ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኣቃሊሎምዎ እዮም እሞ፥ ከምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዘንድዶ፥ ንቑፅ ሳዕሪ ኸዓ ብሃልሃልታ ሞዅ ዝብል፥ ሱሮም ዝበዅበዀ ክኸውን፥ በቚሎም ከዓ ኸም በነንታ ኽበንን እዩ።
ከምቲ ኣብ ርእሲ እምባ ድዋዕዋዕ ዝብል ሰረገላታት፥ ከምቲ ንሓሰር ክበልዕ እንተሎ፥ ጥዋዕዋዕ ዝብል ድምፂ ሃልሃልታ ሓዊ፥ ከምቲ ንውግእ ዝተሰለፈ ሓያል ህዝቢ ይዘሉ።
እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ቤት ያእቆብ ሓዊ፥ ቤት ዮሴፍ ከዓ ነበልባል፥ ቤት ኤሳው ድማ ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ኸንድድዎምን ከጥፍእዎምን እዮም፤ ካብ ቤት ኤሳው፥ ሓደ እኳ ተረፍ ኣይህሉን እዩ።”
ምንም እኳ ንስንሳቶም ከም ዝተመሰቓቐለ እሾዅ እንተ ኾኑ፥ ብመስተኦምውን እንተ ሰኸሩ፥ ከም ንቑፅ ሓሰር፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።
ዝኾነ ይኹን ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ፥ ብወርቂ፥ ብብሩር፥ ብኽቡር እምኒ፥ ብዕንፀይቲ፥ ብሳዕሪ ወይ ብሓሰር እንተ ሰርሐ፥