10 እቶም ኣዘዝቶምን እቶም ኣሕሉቖምን ወፂኦም ነቶም ህዝቢ፦ “ፈርዖን ከምዙይ ይብል፦ ‘ሓሰር ኣይህበኩምን እየ፤
ብብርቱዕ ስራሕ ምእንቲ ኸጭንቑሎም ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርዖን ከዓ ፊቶምን ራምሴን ዝተብሃላ ፅኑዓት ኸተማታት ሰርሑ።
እግዚኣብሄር ድማ “መከራ እቲ ኣብ ግብፂ ዘሎ ህዝበይ ሪአ ኣለኹ። ብሰንኪ እቶም ዘስርሕዎም ዘእውይዎ ዘለዉ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ስቓዮምውን ፈሊጠ ኣለኹ።
ናብቲ ኽትረኽቡሉ እትኽእሉ ቦታ ኼድኩም ባዕልትኹም ሓሰር ኣክቡ። ካብቲ ስራሕኹም ግና ሓደኳ ኣይጕደል’ ” በልዎም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ፈርዖን ነቶም ኣዘዝቶምን ነቶም ኣሕሉቕ ዝኾኑን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦
እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ዘረባ ሓሰት ምእንቲ ኸየቕልቡ ስራሕ ኣኽብዱሎም፤ ካብ ስራሕውን ፈንተት ኣይተብልዎም” በሎም።
መራሒ፥ ሓሰት ዝሰምዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቶም ካብኡ ንታሕቲ ዘለዉ ዅሎም፥ ዓመፀኛታት ይኾኑ።
ብዛዕባ ኣብ ደቡብ ዘለዉ እንስሳታት ዝተነግረ ፆር። “በታ ተባዕታይን፥ ኣንስተይትን ኣናብስን መንደላይ ተመንን ዝነፍር ገበልን ዘለዋ፥ ምድሪ መከራን ጭንቅን ኣቢሎም፥ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ኣድጊ፥ ንመዛግብቶም ከዓ ኣብ ምንጕዳ ኣግማል ፅዒኖም፥ ሓንቲ እኳ ናብ ዘይጠቕሞም ህዝቢ ይወስዱሉ ኣለዉ።