9 ነዝ ክልተ ምልክት እዙይ እንተ ዘይኣመኑ፥ ንቓልካውን እንተ ዘይሰምዑ፥ ካብ ሩባ ማይ ውሰድ እሞ፥ ናብ ንቑፅ ምድሪ ኣፍስሶ። እቲ ኻብ ሩባ ዝወሰድካዮ ማይ ከዓ ኣብቲ ንቑፅ ምድሪ፥ ደም ክኸውን እዩ” በሎ።
ፈርዖን ድማ “ኵሉ ኻብ ዕብራውያን ዝተወለደ ወዲ ናብ ሩባ ደርቢይዎ፤ ኣጓላት ዝኾና ግና ብህይወት ክነብራ ሕደግወን” ኢሉ ንዅሉ ህዝቡ ኣዘዘ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ነቲ ዝገበርካዮ ቐዳማይ ምልክት እንተ ዘይኣሚኖም፥ ነቲ ኻልኣይ ምልክት ክኣምኑ እዮም።
እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ በዙይ ክትፈልጥ ኢኻ፦ እንሆ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ሩባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። እቲ ማይ ድማ ናብ ደም ክልወጥ እዩ።