7 መሊሱ “ኢድካ ናብ መንኰራርዕትኻ ኣእትዋ” በሎ። ንኢዱ ናብ መንኰራርዕቱ ኣእተዋ። ካብ መንኰራርዕቱ ምስ ኣውፅኣ ድማ፥ እንሆ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ኣካሉ ኾነት።
ሽዑ ወሪዱ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበሎ፥ ኣብ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሻዕ ጠለቐ፤ ቈርበቱ ኸዓ ሓወየ፤ ከም ቈርበት ንእሽተይ ቘልዓ ኾይኑ ድማ ነፅሀ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ነቲ ዝገበርካዮ ቐዳማይ ምልክት እንተ ዘይኣሚኖም፥ ነቲ ኻልኣይ ምልክት ክኣምኑ እዮም።
ኢየሱስ ከዓ ኢዱ ዘርጊሑ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ!” ድማ በሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ካብ ለምፁ ነፅሀ።
ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኽኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ርሒቖም ደው ዝበሉ፥ ዓሰርተ ለምፃማት ተራኸብዎ።
ኣነ ሕዚ እውን ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ሕዚ ርአዩ፤ ኣነ እቐትል፥ ህያው ከዓ እገብር፤ ኣነ አቝስል፥ እፍውስ ድማ እየ፤ ካብ ኢደይ ዘምልጥ ከዓ የለን።