4-5 “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ከም ዝተርኣየካ ምእንቲ ኽኣምኑ ኢድካ ዘርጊሕኻ ብጭራኣ ሓዛ” በሎ። ሙሴ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ብጭራኣ ሓዛ፤ ኣብ ኢዱ ኸዓ በትሪ ኾነት።
ሽዑ ድማ “ውሰዶ” በሎ። ንሱ ኸዓ ኢዱ ዘርጊሑ ወሰዶ።
ኣብ ልዕሊ ተዅላን ተመንን ክትከይድ ኢኻ፤ ሽደን ኣንበሳን ገበልንውን ክትረግፅ ኢኻ።
ንሱ ኸዓ “ናብ ምድሪ ደርብያ” በሎ። ሙሴ ድማ ናብ ምድሪ ደርበያ፤ ተመን ከዓ ኾነት። ሙሴ ድማ ኻብኣ ሃደመ።
ኣትማን ክሕዙ፥ ዝቐትል መርዚ እንተ ሰተዩውን ከቶ ኣይጐድኦምን፤ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሕሙማት እንተ ኣንበሩ፥ እቶም ሕሙማት ክሓውዩ እዮም።”
እንሆ፥ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ፀላእን ክትረግፁ፥ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ፤ ዝጐድአኩምውን ከቶ የለን።
እኖኡ ኸዓ ነቶም መሰለፍቲ “ኵሉ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በለቶም።