3 ንሱ ኸዓ “ናብ ምድሪ ደርብያ” በሎ። ሙሴ ድማ ናብ ምድሪ ደርበያ፤ ተመን ከዓ ኾነት። ሙሴ ድማ ኻብኣ ሃደመ።
ነዛ ተኣምራት እትገብረላ በትርውን ብኢድካ ሒዝካ ኺድ።”
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ከም ዝተርኣየካ ምእንቲ ኽኣምኑ ኢድካ ዘርጊሕኻ ብጭራኣ ሓዛ” በሎ። ሙሴ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ብጭራኣ ሓዛ፤ ኣብ ኢዱ ኸዓ በትሪ ኾነት።
“ፈርዖን ‘ተኣምራት ኣርእዩኒ’ እንተበለኩም፥ ንኣሮን ‘በትርኻ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደርብያ’ በሎ። ንሳ ኸዓ ተመን ክትከውን እያ።”
ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዝሃድም እሞ ድቢ ዘጋጥሞ ሰብ፥ ከምቲ ናብ ቤቱ ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዘፀግዕ እሞ ተመን ዝነኽሶ ሰብ እዩ።