Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 4:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ?” በሎ። ሙሴ ድማ “በትሪ እያ” በለ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 4:2
10 Referencias Cruzadas  

ያእቆብ ከዓ ኸራውሕን ሉዝን ሑዳን ካብ ዝበሃሉ ኣእዋም ርሑስ ኣብትርቲ ቘረፀ፤ ወሲዱውን ነቲ ኣብትርቲ ውርውራይ ገይሩ ቐለጦ።


ኤልሳዕ ድማ “እንታይ እሞ ኽገብረልኪ ትደልዪ? እስኪ ንገርኒ፥ ኣብ ቤትኪ እንታይ ኣሎ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ገረድካ እንትርፊ ሳርማ ዘይቲ ኣብ ገዛይ ሓንቲኳ የብለይን” በለቶ።


እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን በትሪ ሓይሊ ኽልእኸልካ እዩ፤ “ኣብ ማእኸል ፀላእትኻውን ክትገዝእ ኢኻ።”


ነዛ ተኣምራት እትገብረላ በትርውን ብኢድካ ሒዝካ ኺድ።”


ሙሴ ድማ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ፥ ኣብ ኣድጊ ኣቐመጦም። ናብ ምድሪ ግብፂውን ተመለሰ። ነታ ናይ እግዚኣብሄር በትሪ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኸደ።


እንሆ፥ ፅባሕ ንግሆ ፈርዖን ናብ ሩባ ክኸይድ እንተሎ፥ ነታ ናብ ተመን ዝተለወጠት በትሪ ብኢድካ ሒዝካ፥ ኣብቲ ገምገም ሩባ ደው ኢልካ ፅንሓዮ።


“ፈርዖን ‘ተኣምራት ኣርእዩኒ’ እንተበለኩም፥ ንኣሮን ‘በትርኻ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደርብያ’ በሎ። ንሳ ኸዓ ተመን ክትከውን እያ።”


ግና ንሱ ንድኻታት ብፅድቂ ኽፈርድ፥ ነቶም ምስኪናት ምድሪ ኸዓ፥ ብቕንዕና ኽብይን እዩ። ብናይ ኣፉ በትሪ ንምድሪ ኽወቕዓ፥ ብእስትንፋስ ከናፍሩውን፥ ንኽፉኣት ክቐትሎም እዩ።


ካብ ኵሉ ኸፍቲ ኻብ ዓሰርተ ሓደ፥ ካብቲ ትሕቲ በትሪ እቲ ጓሳ ዝሓልፍ፥ በጊዕን ጤልን ድማ ኻብ ዓሰርተ ሓደ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኸውን።


ኣብ ማእኸል ዱር ቀርሜሎስ፥ ንበይናቶም ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብኻ፥ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓስዮም። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን፥ ኣብ ባሳንን ኣብ ገለዓድን ጓስዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos