Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 4:18 - መፅሓፍ ቅዱስ

18 ሙሴ ናብ ሓሙኡ ዮቶር ተመሊሱ “ናብቶም ኣብ ግብፂ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ፥ ገና ብህይወት እንተ ሃልዮም ክርኢ ክኸይድ ፍቐደለይ” በሎ። ዮቶር ድማ ብሰላም ኪድ በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 4:18
11 Referencias Cruzadas  

ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ “ኣነ ዮሴፍ እየ፤ ኣቦይከ ኽሳዕ ሕዚ ብህይወቱዶ ኣሎ?” በሎም። ኣሕዋቱ ድማ እዙይ ሰሚዖም ደንገፁ፤ ክምልሱሉውን ኣይከኣሉን።


ኤልሳዕ ከዓ ናብኡ ልኡኽ ሰዲዱ “ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሸውዓተ ሻዕ ተሓፀብ፤ ስጋኻ ድማ ኽሓዊ እዩ” በሎ።


ኤልሳዕ ድማ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ካብኡ ኸዓ ቑሩብ መንገዲ ኸደ።


ሙሴ ድማ ምስ ራጉኤል ክቕመጥ ደለየ። ንሱ ኸዓ ንጓሉ ሲፖራ ሰበይቲ ኽትኮኖ ንሙሴ ሃቦ።


ሙሴ ድማ ኣባጊዕ ሓሙኡ ዮቶር ካህን ምድያም፥ ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናዀብኰበን ናብ ምድረ በዳ፥ ናብቲ ደብሪ እግዚኣብሄር ተብሂሉ ዝፅዋዕ እምባ ኮሬብ መፀ።


ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ “እምነትኪ እያ ዘድሓነትኪ፤ ብሰላም ኪዲ” በላ።


ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት፥ ጳውሎስ ንበርናባስ “ነዓ ናብተን ቃል ጐይታ ዝመሃርናለን ኵለን ከተማታት ንመለስ፤ ናብቶም ኣሕዋት ንኺድ፤ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንፍለጥ” በሎ።


እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ “እቶም ሰብ ስልጣን ‘ፍትሕዎም’ ኢሎም ልኢኾም ኣለዉ እሞ፥ ሕዚ እምበኣር ወፂእኹም ብሰላም ኪዱ” ኢሉ ንጳውሎስ ነገሮ።


ስም እግዚኣብሄርን፥ እቲ እንሰብኮ ትምህርትን፥ ምእንቲ ኸይንቀፍ፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ዘለዉ ዅሎም፥ ነቶም ጐይተቶም ምሉእ ኽብሪ ኸም ዝግብኦም ይቝፀርዎም።


እቲ ኻህን ድማ “እዛ እትኸድዋ ዘለኹም መንገዲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እያሞ ብሰላም ኪዱ” በሎም።


ሽዑ ኤሊ “ብሰላም ኪዲ፤ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኵሉ ዝለመንክዮ ልመና ይሃብኪ” በላ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos