16 ንሱ ኽንዳኻ ንህዝቢ ኽዛረቦም እዩ፤ ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ ንሱ ኣፍ ክኾነካ እዩ፤ ንስኻ ድማ ኽንዲ እግዚኣብሄር ክትኮኖ ኢኻ።
ኣነስ፥ “ኣማልኽቲ ኢኹም፤ ኵልኻትኩምውን ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም” በልኩ፤
ሕዚ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፤ ክመኽረካ ቓለይ ስማዕ፦ ንስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተወካሊ ህዝቢ ኹን፤ ነቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ እግዚኣብሄር ኣብፅሐሎም።
ሕዚ ኸዓ ኺድ፤ ከም እትዛረብ ክገብረካ እየ፤ እቲ እትብሎውን ክምህረካ እየ” በሎ።
ኣሮን ድማ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝተዛረቦ ነገሮም። ሙሴ ኸዓ ነቲ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ገበሮ።
ሽዑ ኤርሚያስ ካልእ ጥቕልልቲ ብራና ወሲዱ ንፀሓፊኡ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ሃቦ። ንሱውን ነተን ኣብታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ወሲዱ ዘንደዳ ጥቕልልቲ ብራና ዝነበራ ዅለን ቃላት፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብኣ ፀሓፈን። ካልእ እውን ንኣኣተን ዝመስላ ብዙሓት ቃላት ተወሰኻአን።