15 ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፤ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ድማ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ክኸውን እየ፤ እቲ እትገብርዎውን ክምህረኩም እየ።
ናብ ንጉስ ኣቲኺ ኸዓ ኸምዙይ ኢልኪ ተዛረብዮ” በላ፤ ኢዮኣብውን ነቲ ቓሉ ኣብ ኣፋ ገበረ።
ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ መን እዩ? በቲ ንሱ ዝመረፆ መንገዲ ይመርሖ።
ኦ ጐይታ! ኸናፍረይ ክፈት፤ ኣፈይውን ምስጋናኻ ኽነግር እዩ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ኣነ ብሓቂ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ እዙይ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኻዮ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ንእግዚኣብሄር ክተምልኹ ኢኹም” በሎ።
ሕዚ ኸዓ ኺድ፤ ከም እትዛረብ ክገብረካ እየ፤ እቲ እትብሎውን ክምህረካ እየ” በሎ።
ሙሴ ድማ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ክዛረቦ ኢሉ ዝለኣኾ ቓልን፥ ብዛዕባ እቲ ግበሮ ኢሉ ዝኣዘዞ ተኣምራትን፥ ንኣሮን ነገሮ።
ኣሮን ድማ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝተዛረቦ ነገሮም። ሙሴ ኸዓ ነቲ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ገበሮ።
ንሰማያት ክዝርግሕ፥ ንምድሪ ኸዓ ኽምስርት፥ ንፅዮን ድማ ‘ንስኺ ህዝበይ ኢኺ’ ኽብልስ፥ ቃለይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፤ ብፅላል ኢደይውን ከወልኩኻ።”
ኣነስ ምስኣቶም ዘለኒ ኺዳን እዙይ እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ “እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይ፥ እቲ ኣብ ኣፍካ ዘንበርኩዎ ቓለይ፥ ካብ ኣፍካ ወይ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ፥ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይፍለን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሽዑ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርግሐ እሞ ኣፈይ ዳህሰሰኒ፤ “እንሆ፥ ክትዛረቦ ዝግብኣካ ቓል ኣብ ኣፍካ ኣንቢረ እየ።
ሽዑ ኤርሚያስ ካልእ ጥቕልልቲ ብራና ወሲዱ ንፀሓፊኡ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ሃቦ። ንሱውን ነተን ኣብታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ወሲዱ ዘንደዳ ጥቕልልቲ ብራና ዝነበራ ዅለን ቃላት፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብኣ ፀሓፈን። ካልእ እውን ንኣኣተን ዝመስላ ብዙሓት ቃላት ተወሰኻአን።
ሙሴ ኸዓ “እዝ ዅሉ ግብሪ እዙይ ክገብር እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኸኒ እምበር ካብ ፍቓደይ ከም ዘይኮነ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፤
በለዓም ከዓ ንባላቅ “እንሆ፥ ናባኻ መፂአ ኣለኹ፤ እንተ ኾነ ሓደ ነገር ክዛረብ ኣይክእልን እየ፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንብረለይ ቃል እየ ዝዛረብ” በሎ።
በለዓም ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዝገበሮ ተጠንቂቐ ኽዛረብዶ ኣይግብአንን እዩ?” ኢሉ መለሰሉ።
እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም ተራኸቦ፤ ቃል ከዓ ኣብ ኣፉ ኣንቢሩ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ ኢልካ ተዛረቦ በሎ”።
እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍ በለዓም፥ ቃል ገበረሞ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ በል” በሎ።
እቶም ኣብ ልዕሌኹም ዝለዓሉ፥ ምምላስን ምቅዋምን ዘይኽእልዎ ኣንደበትን ጥበብን፥ ኣነ ኽህበኩም እየ።
እቲ ንኣኻትኩም ዘመሓላለፍኩልኩም፥ ነቲ ኻብ ጐይታ ኢየሱስ ዝተቐበልኩዎ እዩ፤ ጐይታና ኢየሱስ፥ በታ ዝተትሓዘላ ለይቲ፥ ሕብስቲ ኣልዓለ።
ሕዚ ኸዓ ኣሕዋተይ፥ ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል፥ ከዘክረኩም እደሊ ኣለኹ። ንሱ ድማ እቲ ዝተቐበልኩምዎን፥ ብእኡ ድማ ፀኒዕኹም እትነብሩ ዘለኹምን እዩ።
ከማኻ ዝበለ ነቢይ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቶም ከተስአሎም እየ፤ ቃለይ ኣብ ኣፉ ኽገብር እየ፤ ኵሉ ዝኣዘዝክዎ ድማ ኽነግሮም እዩ።
ንስኻ ግና፥ ኣብታ ኣነ ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኽሕልውዎ ዘለዎም፥ እትምህሮም ሕግታተይን ትእዛዛተይን ፍርድታተይን ክነግረካ፥ ኣብዙይ ኣብ ጥቓይ ደው በል።
ንእሴይ ከዓ ናብቲ መስዋእቲ ፀውዓዮ፤ እቲ እትገብሮ ድማ ኣነ ኽነግረካ እየ፤ ነቲ ዝብለካ ኸዓ ቕብአለይ” በሎ።