Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 4:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ሙሴ ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! ኣነ ዘረባ ኣይክእልን እየ፤ ትማሊ ኾነ ቕድሚ ትማሊ ምስ ተዛረብካኒውን ተዛራባይ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣነ ኣፈይ ፀያፍ፥ ልሳነይ ኮልታፍ እዩ” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 4:10
11 Referencias Cruzadas  

“እምበኣር ብሓቂ ንስኻትኩም ኣውራታት ሰባት ኢኹም! ጥበብውን ምሳኻትኩም ክትመውት እያ!


ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “ናብ ፈርዖን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፅእንከ፥ ኣነ መን እየ?” በሎ።


ሙሴ ድማ “እንሆ ኣይኣምኑንን፤ ቃለይውን ኣይሰምዑን፤ ‘እግዚኣብሄር ኣይተገልፀልካን’ ክብሉኒ እዮም” በለ።


ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ “ኣነ ኣፈ ፀያፍ እየ፤ እንሆ ደቂ እስራኤል እኳ ዘይሰምዑንስ፥ ፈርዖን ግዳ ኸመይ ገይሩ ኽሰምዐኒ” ኢሉ መለሰ።


ሙሴ ግና ንእግዚኣብሄር “እንሆ፥ ኣነ ኸንፈረይ ዘይተገርዘ እዩ፤ ፈርዖን ደኣ ኸመይ ይሰምዐኒ?” በሎ።


ኣነ ድማ “ኣይፋልካን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ገና ቘልዓ እየሞ፤ እንሆ ኸመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ” በልኩ።


ኣነ ኻብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኹኻ፤ ካብ ቤት ባርነትውን ኣድሓንኩኻ፤ ቀቅድሜኻውን ንሙሴን ንኣሮንን ንማርያምን ሰደድኩልካ።


ሙሴ ድማ፥ ኵሉ ጥበብ ግብፃውያን ተምሃረ፤ ብቓሉን ብስርሑን ከዓ ብርቱዕ ኾነ።


ሓድሓደ ሰባት “እተን መልእኽቲታቱ ኸበድትን ብርቱዓትን እየን፤ ብኣካል እንትረአ ግና፥ ድኹም እዩ፤ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ” ዝብሉ ኣለዉ።


ክእለት ዘረባ እኳ እንተ ዘይብለይ፥ ፍልጠትስ ኣይጐድለንን። እዙይ ከዓ ብብዙሕ መንገዲ ገሊፅናልኩም ኢና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos