9 ምንዋሑ ስድሪ፥ ወርዱ ኸዓ ስድሪ ዝኾነ ኣርባዕተ መኣዝኑ ድርብ ነበረ።
ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕናቝ ድማ ኣዛነቑሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ፦ ሰርድዮን፥ ቶጳዝዮን፥ ቢረሌ፤
ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ክኢላ ዝተገብረ፥ ከምቲ ስራሕ ኤፉድ ገይሮም ብወርቅን ብሰማያዊን፥ ብሓምራዊን፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ገበርዎ።