8 ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ክኢላ ዝተገብረ፥ ከምቲ ስራሕ ኤፉድ ገይሮም ብወርቅን ብሰማያዊን፥ ብሓምራዊን፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ገበርዎ።
ምሕረተይ ከዓ ንዘለኣለም ክሕልወሉ እየ፤ ንኺዳነይውን ዝተኣመነ እዩ።
ኣእማን ዕንቊ፥ ኣብ ኤፉድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልብን ተዛኒቑ ዝስኳዕ ክቡር ኣእማንን እዩ።
“ብዓሰርተ ዓለባታት ጌርካ ድንኳን ስራሕ። ነቲ ዓለባ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ ስርሓዮ። ክኢላታት ሰባት ድማ ብጥልፊ፥ ምስሊ ኪሩቤል ይስኣሉሉ።
እቲ ዝገብርዎ ኣልባሳት ከዓ፥ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኤፉድ፥ ቀሚሽ ላዕሊ፥ ዝተጠልፈ ቐሚሽ ውሽጢ፥ መጠምጠምያ፥ ቅናት እዩ። ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ እዝ ቅዱስ ኣልባሳት እዙይ ይግበሩሎም።
ምንዋሑ ስድሪ፥ ወርዱ ኸዓ ስድሪ ዝኾነ ኣርባዕተ መኣዝኑ ድርብ ነበረ።
ንፅድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸደኖ፥ ንምድሓን ድማ ኸም ቍራዕ ርእሲ፥ ኣብ ርእሱ ደፍኦ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ተወንዘፈ፥ ንቕንዕና ድማ ኸም ባርኖስ ገይሩ ደረቦ።
እምበኣር ሕቘኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ፅድቂ እውን ተኸዲንኩም ቁሙ።