7 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ እቲ ኣእማን ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ክኸውን፥ ኣብ ልዕሊ ማእገር ኣብ ዝውዕል ኤፉድ ገበርዎ።
ሽዑ ኣነ ኸምዙይ ኢለ መለስኩሎም፦ “ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዐልና እዩ እሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተሲእና ኽንሰርሕ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ክፍልን መሰልን መዘከርታን የብልኩምን” በልክዎም።
ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል መዘከርታ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ ኽልተ ኣእማን፥ ኣብቲ መንኰብ ኤፉድ ግበሮ። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽዝክሮም ድማ ኣሮን ንስማቶም ይፁሮ።
“ኣሮን ናብ መቕደስ ክኣቱ እንተሎ፥ ነቲ ስም ደቂ ያእቆብ ኣብኡ ተቐሪፁ ዘሎ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ይፁሮ። ኣነ እግዚኣብሄር ድማ ንህዝበይ ኵልሻዕ ክዝክሮም እየ።
ብመንኰብ ሓሊፉ ዝጋጠም፥ ኣብ ክልተ ጫፉ ዝለገበ ኽልተ መንጠልጠሊ ይሃልዎ።
እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ዝተሰብኮ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም እዝ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
ሽዑ ንስኻትኩም ‘ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ብዮርዳኖስ ክሳገር እንተሎ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ምውራድ ኣቋረፀ እሞ፥ እዞም ኣእማን እዚኣቶም ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም መዘከርታ እዮም’ ትብልዎም” ድማ በሎም።