5 እቲ ብብልሓት ዝተሰርሐ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከዓ፥ ምስኡ ብሓደ ዝተላገበ፥ ሓደ ዓይነት ዝስርሓቱ ነበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቅን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተሰርሐ ነበረ።
ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን፥ ቀጭን ሃሪ፥ ብፀጕሪ ጤል ዝተሰርሐ ዓለባ፥
እቲ ብብልሓት ዝተገብረ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከዓ፥ ምስኡ ብሓደ ዝተላገበ፥ ሓደ ዓይነት ዝስርሓቱ፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን ብዝተፍሓሰ ሃርን ይኹን።
ነቲ ኣልባስ ወሲድካ ድማ፥ ንኣሮን ቀሚሽ ውሽጥን ናይ ኤፉድ ቀሚሽ ላዕልን፥ ኤፉድን ሳንቃ ኣፍ ልብን ክደኖ። በቲ ብብልሓት ዝተኣልመ ቕናት ኤፉድ ጌርካ ኸዓ ኣዕጥቆ።
ክልቲኡ ጫፍ ንኽጋጠም፥ ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ማእገር ዝጋጠም ልብሲ ገበርዎ።
ብትንጎ ወርቂ ዝተኸበ እምኒ ኦኒክስ ኣዳለዉ፤ ከም ኣቀራርፃ ማሕተም ገይሮም ከዓ ስም ደቂ እስራኤል ቀረፁሉ።
ፅድቂ መዕጠቒ ሕቘኡ፥ ተኣማንነትውን ናይ ጐኑ መቐነት ክኸውን እዩ።
ንኣሮን ድማ ቐሚሽ ኸደኖ፤ ቅናት እውን ኣቐነቶ፤ ካባ ደሪቡ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ኤፉድ ገበረሉ፤ በቲ ብብልሓት ዝተሰርሐ ቕናት ኤፉድ ድማ ኣቐነቶሞ፥
እቲ ንኣኻትኩም ዘመሓላለፍኩልኩም፥ ነቲ ኻብ ጐይታ ኢየሱስ ዝተቐበልኩዎ እዩ፤ ጐይታና ኢየሱስ፥ በታ ዝተትሓዘላ ለይቲ፥ ሕብስቲ ኣልዓለ።
ኣብ ማእኸል እተን ቀወምቲ ቐናዲል ከዓ፥ ክሳዕ እግሩ ዝተኸድነ፥ ብቕናት ወርቂ እውን፥ ክሳዕ ኣፍ ልቡ ዝተዓጠቐ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል ረአኹ።