41 ነቲ ኣብ ኣገልግሎት መቕደስ ዝውዕል ዝተጠልፈ ኣልባሳት፥ ነቲ ቅዱሳት ኣልባሳት እቲ ኻህን ኣሮንን፥ ነቲ ደቁ ብኽህነት ከገልግሉ እንተለዉ ዝኽደንዎ ኣልባስን፥ ናብ ሙሴ ኣምፅእዎ።
ንኣሮን ሓውካ ድማ፥ ክቡርን ዘጌፀን ቅዱሳት ኣልባሳት ግበረሉ።
እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኣብቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቕናት ኤፉድ ክለግብ እምበር፥ ምእንቲ ኻብቲ ኤፉድ ከይፍለ፥ ነቲ ቐለበታት ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ምስቲ ቐለበታት ኤፉድ ብሰማያዊ ፍሕሶ እሰሮ።
ንደቂ ኣሮን ድማ ቐማውሽ ግበረሎም፤ ቅናውቲውን ግበረሎም፤ ክቡርን ምልኩዕን መጠምጠምያ እውን ግበረሎም።
ነቲ ኣልባስ ኣገልግሎትን፥ ነቲ ኻህን ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ እንተለዉ ዝለብስዎ ቅዱስ ኣልባስን፥
ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን ገይሮም፥ ኣብ መቕደስ ንዘገልግሉሉ ዝተኣለመ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣዳለዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባሳት ገበሩሉ።
ነቲ መጋረጃታት ቅፅሪ ምስ ኣዕምዱን መርገፂኡን፥ ነቲ መጋረጃታት ኣፍ ደገ ቕፅሪ ምስ ኣግማዱን ሽኻላቱን፥ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ዝውዕል ኵሉ ኣቑሑን፥
ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገይሮም ሰርሕዎ።