4 ክልቲኡ ጫፍ ንኽጋጠም፥ ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ማእገር ዝጋጠም ልብሲ ገበርዎ።
ነቲ ኽልተ ኻልእ ጫፍ ከዓ፥ ምስ ክልቲኡ ትንጎ ወርቂ ኣተሓሒዝካ፥ ኣብቲ ኤፉድ ኣብ መንኰብ ዝንጥልጠለሉ፥ ብወገን ቅድሚት እሰሮ።
ብመንኰብ ሓሊፉ ዝጋጠም፥ ኣብ ክልተ ጫፉ ዝለገበ ኽልተ መንጠልጠሊ ይሃልዎ።
ነቲ ወርቂ ቐጥቂጦም ኣርቀቕዎ። ምስ ሰማያዊ ሓምራዊ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ምስ ሃርን ክኢላ ሰብ ብብልሓት ምእንቲ ኽኣልሞ፥ ከም ፈትሊ ገይሮም ኣዳለውዎ።
እቲ ብብልሓት ዝተሰርሐ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከዓ፥ ምስኡ ብሓደ ዝተላገበ፥ ሓደ ዓይነት ዝስርሓቱ ነበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቅን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተሰርሐ ነበረ።