3 ነቲ ወርቂ ቐጥቂጦም ኣርቀቕዎ። ምስ ሰማያዊ ሓምራዊ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ምስ ሃርን ክኢላ ሰብ ብብልሓት ምእንቲ ኽኣልሞ፥ ከም ፈትሊ ገይሮም ኣዳለውዎ።
ንጓል ንጉስ ሓሴቦን ኵሉ ኽብራ እዩ፤ ክዳውንታ ናይ ወርቂ መጐናፀፊ እዩ።
ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን፥ ቀጭን ሃሪ፥ ብፀጕሪ ጤል ዝተሰርሐ ዓለባ፥
“ብዓሰርተ ዓለባታት ጌርካ ድንኳን ስራሕ። ነቲ ዓለባ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ ስርሓዮ። ክኢላታት ሰባት ድማ ብጥልፊ፥ ምስሊ ኪሩቤል ይስኣሉሉ።
እቶም ነቲ ስራሕ ዝሰርሑ ዝነበሩ ዅሎም ጥበበኛታት፥ ነቲ ድንኳን ብዓሰርተ ዓለባታት ሰርሕዎ፤ ብዝተፍሓሰ ሃርን ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ገበርዎ፤ ብብልሓት ዝተጠልፈ ምስሊ ኪሩቤል ከዓ ገበሩሉ።
ነቲ ኤፉድ ብወርቅን፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዓለባን፥ ካብ ፅቡቕ ኤፉድ ገይሮም ሰርሕዎ።
ክልቲኡ ጫፍ ንኽጋጠም፥ ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ማእገር ዝጋጠም ልብሲ ገበርዎ።