13 ኣብ ራብዓይ መስርዕ፦ ክርስቲሎቤ፥ ኦኒክስ፥ ኢያሰጲድ፤ እዝ ዅሉ ብወርቂ ኣብ ዝተገብረ ትንጎ ተሰዂዑ ነበረ።
ወርቂ እታ ምድሪ እቲኣ ፅሩይ እዩ፤ ኣብኣ ሉልን ክቡር እምንን ይርከብ።
ኣነ ኸዓ ብዘለኒ ሓይሊ ንመስርሒ ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ብወርቂ ንዝስራሕ ወርቂ፥ ብብሩር ንዝስራሕ ብሩር፥ ብነሃስ ንዝስራሕ ነሃስ፥ ብሓፂን ንዝስራሕ ሓፂን፥ ብዕንፀይቲ ንዝስራሕ ዕንፀይቲ፥ ከምኡውን ኣዕናቝን እምንን፥ ዝዛነቕ እምንን ፀሊም ዘንፀባርቕ እምንን፥ ዝተቐርፀ እምንን፥ ኵሉ ዓይነት ክቡር እምንን፥ እምነ በረድን፥ ብዙሕ ቀሪበ ኣለኹ።
ከምቲ ቐራፅ እምኒ፥ ማሕተም ክቐርፅ እንተሎ ዝገብሮ ጌርካ፥ ኣብ ክልቲኡ እምኒ፥ ስም ደቂ ያእቆብ ቅረፅ። ነቲ እምኒ ኽሕዞ ኸዓ ብወርቂ ዝተሰርሐ ትንጎ ኣብ ዙርያኡ ግበረሉ።
“ክልተ እምኒ መረግድ ውሰድ እሞ፥ ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቂ ያእቆብ ስም ቅረፀሉ።
ኣብ ሳልሳይ መስርዕ፦ ያክንት፥ ኬልቄዶን፥ ኣሜቴስጢኖስ፤
እቲ ኣእማን ድማ፥ ከምቲ ስም ደቂ እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ነበረ። ስም እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ፥ ከም ቅርፂ ማሕተም ኣብቲ ኽቡር ኣእማን ተቐርፀ።
ኣእዳዉ ብዕንቊ ተርሴስ ዝተሰንቀራ፥ ወርቂ ቐለበት እየን፤ ደረቱ ብሰንፔር ዝተሸለመ፥ ብልሓተኛ ኸም ዝገበሮ ስኒ ሓርማዝ እዩ።
ትርኢት እቲ መንኰራዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ሕብሪ ብርለ ነበረ፤ ኣርባዕቲኡውን ይመሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰራዅር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰራዅር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ።
እቲ ሓምሻይ ሰርዶንክስ፥ እቲ ሻድሻይ ሰርድዮን፥ እቲ ሻውዓይ ክርስቲሎቤ፥ እቲ ሻምናይ ቢረሌ፥ እቲ ታሽዓይ ወራውሬ፥ እቲ ዓስራይ ክርስጵራስስ፥ እቲ መበል ዓሰርተ ሓደ ያክንት፥ እቲ መበል ዓሰርተ ኽልተ ኣሜቴስጢኖስ ነበረ።