Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 39:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን ገይሮም፥ ኣብ መቕደስ ንዘገልግሉሉ ዝተኣለመ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣዳለዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባሳት ገበሩሉ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 39:1
14 Referencias Cruzadas  

ምስክርካ የመና ዝተኣመነ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ንነዊሕ ዘመን ንቤትካ ቕድስና ይግባእ።


ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን፥ ቀጭን ሃሪ፥ ብፀጕሪ ጤል ዝተሰርሐ ዓለባ፥


“ብዓሰርተ ዓለባታት ጌርካ ድንኳን ስራሕ። ነቲ ዓለባ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ ስርሓዮ። ክኢላታት ሰባት ድማ ብጥልፊ፥ ምስሊ ኪሩቤል ይስኣሉሉ።


ብሰማያዊ፥ ብሓምራዊ፥ ብውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን፥ ብወርቅን፥ ገይሮም ከዓ ይስርሕዎ።


ነቲ ኣልባስ ኣገልግሎትን፥ ነቲ ኻህን ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ እንተለዉ ዝለብስዎ ቅዱስ ኣልባስን፥


ነቲ ኻህናት ኣብ መቕደስ ከገልግሉ እንተለዉ ዝለብስዎ ኣልባስ፥ ነቲ ካህን ኣሮን ዝለብሶ ቅዱስ ኣልባስን፥ ነቲ ደቁ ብኽህነት ከገልግሉ እንተለዉ ዝኽደንዎ ኣልባስን ይስርሑ።”


ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ሃርን ፀጕሪ ጤልን ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉን ቈራብቲ እንስሳ ባሕርን ዝነበሮ፥ ኵሉ ሰብ ኣምፅአ።


ኣእጋር ቅፅርን መርገፂ ኣፍ ደገ ቅፅርን፥ ኵሉ ሽኻላት ድንኳንን ኵሉ ሽኻላት ቅፅርን ሰርሐ።


ነቲ ኣብ ኣገልግሎት መቕደስ ዝውዕል ዝተጠልፈ ኣልባሳት፥ ነቲ ቅዱሳት ኣልባሳት እቲ ኻህን ኣሮንን፥ ነቲ ደቁ ብኽህነት ከገልግሉ እንተለዉ ዝኽደንዎ ኣልባስን፥ ናብ ሙሴ ኣምፅእዎ።


እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፥ እተን ዘገልገሉለን ኣልባሳት ቅዱሳት እየን እሞ፥ ኣብኡ ኸየንብርወን፥ ካብታ መቕደስ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ኣይውፅኡ፤ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ እሞ፥ ናብቲ ንህዝቢ ዝተመደበ ቦታ ይውፅኡ።


ሕጊ እታ ቤት ድማ እዙይ እዩ፤ እቲ ኣብ ዝባን እቲ እምባ፥ ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ዘሎ ቦታ፥ የመና ቕዱስ እዩ፤ እንሆ ሕጊ እታ ቤት እዙይ እዩ።”


ደም ኣጣልን ዝራብዓትን ሒዙ ዘይኮነስ፥ ብናይ ባዕሉ ደም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ረኺቡ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ኣተወ።


ከምቲ ሊቀ ካህናት በብዓመት፥ ናይ ካልእ ደም ሒዙ ናብ መቕደስ ዝኣቱ፥ ክርስቶስ ንባዕሉ ብዙሕ ጊዜ ከቕርብ ኣይኣተወን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos