3 ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲሱ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ፥ ክልተ ቐለበት ብሓደ ወገን፥ ክልተ ቐለበት ከዓ ብኻልኣይ ወገን ገበሮ።
እቶም ደቂ ሌዋውያን ከዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ብመፃውር ኣብ ማእገሮም ፆርዎ።
እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ስለ ዝነበሩ ነቲ ታቦት ምስ መፃውራቱ ኻብ ላዕሊ ጋረድዎ።
ውሽጡን ደገኡን ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ኸዓ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ።
ብዕንፀይቲ ሰራው ገይሩ መፃውር ሰርሐ፤ ብወርቂ ኸዓ ለበጦ።
ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ንስኻ ትፈልጥ” በልክዎ። ንሱ ኸዓ፥ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ መከራ ዝወፁ፥ ክዳውንቶምውን፥ ብደም እቲ በጊዕ ሓፂቦም ዘንፅሁ እዮም።