1 ስለዙይ “ባስልኤልን ኤልያብን ኵሎም ጥበብ ዘለዎም ሰባትን መቕደስ ንምስራሕ ዘድሊ ዅሉ ስራሕ ምስራሕ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ እግዚኣብሄር ጥበብን ምስትውዓልን ዝሃቦም፥ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር ክገብሩ እዮም።”
ንሱ ኻብ ሓንቲ መበለት ካብ ነገድ ንፍታሌም ዝኾነት ሰበይቲ ዝተወልደ ነበረ። ኣቦኡ ኸዓ በዓል ጢሮስ፥ ኣንጠረኛ ነሃስ ነበረ። ንሱ ድማ ዅሉ ስራሕ ነሃስ ንምግባር ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን መሊእዎ ነበረ። ናብ ንጉስ ሰሎሞን መፂኡ ኸዓ፥ ኵሉ ስራሕ ሰርሐሉ።
ሆር ድማ ንኡሪ ወለደ፤ ኡሪ ኸዓ ንባስልኤል ወለደ፤
እቶም ኣብ ኵሉ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝተመደቡ ኻህናትን ሌዋውያንን እኒሀዉ። እቶም ብድሌት ዝሰርሑን ጥበብ ዘለዎምን ሰባት ከዓ ኣብ ኵሉ ስራሕ ክሕግዙኻ ምሳኻ እኒሀዉ። እቶም ኣሕሉቕን ኵሉ እቲ ህዝብን ድማ ንዅሉ ትእዛዝካ ኽፍፅሙ ድልዋት እዮም።”
ኵሉ ትእዛዛትካ እንትምልከት፥ ሽዑ ኣይሓፍርን እየ።
ደቂ እስራኤል ከዓ ኸይዶም ከምኡ ገበሩ፤ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
“ኣነ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይግበሩለይ።
ንስኻ ኸዓ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእኽዎም ክኢላታት ዝኾኑ ሰባት ኵሎም፥ ኣሮን ብኽህነት ከገልግለኒ ንኣሮን ኣልባሳት ክገብሩሉ ንገሮም።
ነቲ መቕብኢ ዝኸውን ዘይትን፥ ነቲ ንመቕደስ ዝኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ይግበርዎ።”
ሙሴ ድማ ንባስልኤልን ንኤልያብን፥ ንዅሎም እቶም መፂኦም ነዝ ስራሕ እዙይ ክሰርሑ ድሌት ዘለዎምን፥ እግዚኣብሄር ጥበብ ዘሕደረሎም ክኢላታት ሰባትን ፀውዐ።
ኤልያብ፥ ወዲ ኣሒሳማክ ካብ ነገድ ዳን ከዓ ምስኡ ነበረ። ንሱ ቐራፅን፥ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቐይሕ ዓለባን ሃርን ዝሰርሕ ብልሓተኛ ኣላምን ጠላፍን ነበረ።
ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን ገይሮም፥ ኣብ መቕደስ ንዘገልግሉሉ ዝተኣለመ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣዳለዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባሳት ገበሩሉ።
ንደቂ ቃዓት ግና፥ ኣገልግሎት መቕደስ ናታቶም እዩሞ፥ ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ ነበሩሞ፥ ሙሴ ሓደ እኳ ኣይሃቦምን።
ክልቲኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕግጋቱን፥ ብዘይ ነቐፋ ዝመላለሱ ፃድቃን ነበሩ።
ንሱ ኣብታ ሰብ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ዝተኸላ መቕደስን፥ ናይ ብሓቂ ድንኳንን እዩ ዘገልግል።