8 ሙሴ ድማ ቐልጢፉ ኣብ ምድሪ ተምበርኪኹ ሰገደ።
ኣብራም ከዓ ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ሰገደሉ። እግዚኣብሄር ድማ፦
ዮሴፍ ከዓ ንደቁ ኻብ ሕቝፊ ኣቦኡ ኣግልስ ኣቢሉ ብገፁ ናብ ምድሪ ሰገደ።
ሽዑ ኢዮሳፍጥ ብገፁ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ፤ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጡ ዝነበሩንውን ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።
እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝተመልከቶም፥ መከራኦምውን ከም ዝረአየ ምስ ሰምዑ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን፥ መንፈሰይ ኣብ ማእኸልኩም ይነብር ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።