7 ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ሕያዋይነቱ ዝሕሉ፥ ዓመፅን ምጥሓስን ሓጢኣትን ይቕረ ዝብል፥ ንበዳሊ ግና ኸም ንፁህ ዘይርኢ፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቅን ኣብ ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ” እናበለ ኣወጀ።
ሎጥ ድማ ተደናጐየ፤ እግዚኣብሄር ክምሕሮ ስለ ዝደለየ ግና፥ እቶም ሰባት ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲአን ኣጓላቱን ሒዞም ኣውፅእዎ፤ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ ድማ ሓደግዎ።
ነቲ ኣነ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልይዎ ፀሎት ስማዕ። እወ፥ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘለኻ ቦታ፥ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሰሚዕኻውን ይቕረ በል።
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ፍረድውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዳኛ ኹን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ፍረድ፤ መንገዱውን ኣብ ልዕሊኡ መልሰሉ፤ ነቲ ንፁህ ድማ ኸም ፅድቁ ኽፈሎ።
ናብ እግዚኣብሄር እንተ ተመሊስኩም፥ እቶም ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ማሪኾምዎም ዘለዉ ምሕረት ክረኽቡ፥ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክምለሱ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርህሩህን መሓርን እዩ እሞ፥ ናብኡ እንተ ተመሊስኩም፥ ንሱውን ገፁ ናባኻትኩም ክመልስ እዩ።”
ከምዙይ ድማ በልኩ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ! ዓቢይን እትፍራሕን ኣምላኽ፥ ነቶም ዝፈትዉኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን ቃል ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥
“ሕዚ ድማ፥ ኦ ኣምላኽና፥ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ዓቢይን ብርቱዕን እትፍራሕን ኣምላኽ፥ እቲ ንኣናን ንነገስታትናን ንኣሕሉቕናን ንኻህናትናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽተይ ኮይኑ ኣይረአኻ።
ሓጢኣት እንተ ገበርኩ ንስኻ ትምልከተኒ፤ ካብ ሓጢኣተይውን ንፁህ ኣይትገብረንን።
ንዅሉ ሓጢኣትኪ ይቕረ ዝብለልኪ፥ ንዅሉ ሕማምኪ ዝፍውስ፥
በደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትዘከር፤ ሓጢኣት እኖኡ ኸዓ ኣይደምሰስ።
ይቕረታ ብኣኻ እዩሞ።
ንግብፂ ምስ በዅሮም ዝወቕዖም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
ንፈርዖንን ንሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ኤርትራ ዘስጠመ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
ኦ ጐይታ፥ ሓጢኣተይ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ምእንቲ ስምካ ይቕረ በለለይ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መሓርን ርህሩህን ኣምላኽ ኢኻ፤ መዓትካ ዝረሓቐ ምሕረትካን ፅድቅኻን ዝበዝሐ ኢኻ።
ኦ ጐይታ ኣምላኽና፥ ንስኻ ሰማዕኻዮም፤ ኦ ጐይታ ንስኻ መሓርካዮም፤ ንዅሉ ኽፉእ ስራሖም ግና ሕነ ፈደኻዮም።
ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፤ ድምፁ ኸዓ ስማዕ። እምቢ ኣይትበሎ። ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት እንተ ሰራሕኻ ንበደልካ ኣይሓድግን እዩ።
ካብ ሓሰት ዘረባ ረሓቕ። ንፁህን ቕኑዕን ሰብ ኣይትቕተል፤ ኣነ ንዝበደለ ሰብ ኣይምሕሮን እየሞ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ምስ ኵሉ ኽብረይ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እየ፤ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እንተለኹ ኸዓ ስመይ፥ ስም እግዚኣብሄር ክእውጅ እየ። ነቲ ፀጋ ኽህቦ ዝደለኹ ፀጋ እህቦ፤ ነቲ ኽምሕሮ ዝደለኹ ድማ እምሕሮ።
“ኦ ጐይታ! ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ፀጋ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንስኻ ምሳና ኺድ። እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪር ክሳድ እኳ እንተ ኾነ፥ ዓመፃናን ሓጢኣትናን ይቕረ በለልና፤ ርስትኻ ጌርካ ኸዓ ተቐበለና” በለ።
ይናገሩ፤ ይቕረቡን ብሓባር ይማኸሩን፤ ነዝ ነገር እዙይ ካብ ጥንቲ ዘርአየን ዝተናገረን መን እዩ? ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮንኩን? ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ፃድቕን ዘድሕንን ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ከቶ የለን።”
ኣነ ምስኻ እየ፤ ከድሕነካውን እየ፤ ነቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኹም ኵላቶም ህዝብታት፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን እየ፤ ብመጠኑ ኽቐፅዐካ እየ፤ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን።”
ንስኻ ነእላፋት ምሕረት እትገብር፥ ግና ብበደል ኣቦታት ድማ ንውሉዶም እትቐፅዕ ኣምላኽ ኢኻ። ንስኻ ዓቢይን ሓያልን ኣምላኽ ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ዝምካሕስ፥ ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ፅድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይመካሕ፤ ንኣይ ደስ ዘብሉ እዚኣቶም እዮምሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይውን፥ ከምዙይ ኢለ ፀለኹ ተናዘዝኩውን። “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ንዝፈትዉኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን፥ ኪዳንካን ምሕረትካን እተፅንዕ፥ ዓቢይን ዝተፈራሕኻን ኣምላኽ!
ንሕና እኳ እንተ ኸዳዕና፥ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ።
ኣነዶ ብሚዛን ረሲዕነትን፥ በቲ ኸረጢት ጠባሪ መመዘንን፥ ንፁህ ክኸውን እየ።
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።
ኣብ ቅድሚ ቝጥዓኡ ዝቐውም መን እዩ? ንረስኒ ቝጥዓኡ መን ይዕገስ? መዓቱ ኸም ሓዊ ይፈስስ፤ ካብኡ ዝተልዓለ ኣኻውሕ ይጭደዱ።
ስለዙይ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ፀርፍን ይሕደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግና፥ ኣይሕደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ።
ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ በደልና ይቕረ በለልና፤
ዝኸፍልዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፥ ንኽልቲኦም ሓደገሎም። ካብኣቶም እቲ የመና ዘፍቅሮ ኣየናይ እዩ?”
ንኣኣ ድማ፦ “ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ” በላ።
እምበኣርከስ ኣቱም ኣሕዋትና፥ እዝ እንነግረኩም መልእኽቲ፥ ‘ስርየት ሓጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዝብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ዅሉ፥ ብሕጊ ሙሴ ኽፀድቕ ዘይተኽኣሎ፥ ብኢየሱስ ብምእማን ይፀድቕ።
ንእስራኤል ንስሃን ስርየት ሓጢኣትን ምእንቲ ኽህቦም፥ እግዚኣብሄር ንእኡ፥ ርእስን መድሓንን ገይሩ፥ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ።
ብእኡ፥ ማለት ብደሙ ድሕነት፥ ከምቲ ሃብቲ ፀጋኡ ድማ፥ ስርየት ሓጢኣት ረኸብና።
ከምቲ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ንስንሳትኩም ለዋሃትን ርህሩሃትን ኴንኩም፥ ይቕረ ተበሃሃሉ።
ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ እሞ ኽፈድዮም እየ፤ እግሮም ዝሰናኸለሉ እዋን ክመፅእ እዩ፤ መዓልቲ ዕንወቶም ቀረባ እዩ፤ ጥፍኣቶም ከዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
ነቶም ዝፀልእዎ ንምጥፋእ ኣብ ቅድሚኣቶም ናይ ኢዶም ይፈድዮም፤ ንዝፀልእዎ እንተይደንጐየ ኣብ ቅድሚኡ ናይ ኢዶም ይፈድዮም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾነ፥ ንዝፈትውዎን ትእዛዙ ንዝሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር፥ ቃል ኺዳኑውን ዝሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ፍለጡ።
ኣምላኽና ዝባላዕ ሓዊ እዩ እሞ።
ኢያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፦ “እግዚኣብሄር ቅዱስ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ክተምልኽዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ በደልኩምን ሓጢኣትኩምን ኣይምሕረኩምን እዩ።
ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ እግዚኣብሄር እሙንን ፃድቕን ስለ ዝኾነ፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና፥ ካብ ኵሉ በደልናውን ከንፅሀና እዩ።
ስሙ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዘይተረኸበ ዅሉ፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ ተደርበየ።
እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።