5 እግዚኣብሄር ድማ ብደመና ወሪዱ ኣብ ጥቓ ሙሴ ደው በለሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ኣወጀ።
ስለዙይ ስም እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን፥ ምስጋናኡውን ኣብ ኢየሩሳሌም ክናገሩ፥ ኣህዛብ ብሓድነት ምስ ተኣከቡ፥ መንግስታትውን ንእግዚኣብሄር ክግዝኡ እዮም።
እግዚኣብሄር ብሓዊ ናብኡ ስለ ዝወረደ፥ ኵሉ እምባ ሲና ይትኪ ነበረ። ካብኡ ኸዓ ኸም ትኪ እቶን ዝበለ ትኪ ዓረገ። ኵሉ እቲ እምባ የመና ተናወፀ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ክዛረበካ እንተለኹ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኽሰምዑ፥ ንሓዋሩ ድማ ምእንቲ ኽኣምኑኻስ፥ እንሆ፥ ኣነ ብኸቢድ ደመና ናባኻ ኽመፅእ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ነገሮ።
ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፤ ድምፁ ኸዓ ስማዕ። እምቢ ኣይትበሎ። ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት እንተ ሰራሕኻ ንበደልካ ኣይሓድግን እዩ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ምስ ኵሉ ኽብረይ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እየ፤ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እንተለኹ ኸዓ ስመይ፥ ስም እግዚኣብሄር ክእውጅ እየ። ነቲ ፀጋ ኽህቦ ዝደለኹ ፀጋ እህቦ፤ ነቲ ኽምሕሮ ዝደለኹ ድማ እምሕሮ።
ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ኣተወ፥ እቲ ዓምዲ ደመና ወሪዱ፥ ኣብ ኣፍ ድንኳን ይቐውም ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ይዛረቦ ነበረ።
ስም እግዚኣብሄር ፅኑዕ ቅፅሪ እዩ፤ ፃድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።
ኣቱም መራሕቲ ሰዶም ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ኣቱም ህዝቢ ገሞራውን፥ ናብ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፅን በሉ።
ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸንብር እየ። ንስኻ በይንኻ ኸይትፆሮ ድማ፥ ፆር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኽፆሩ እዮም።
እግዚኣብሄር ከዓ ብደመና ወሪዱ ንሙሴ ተዛረቦ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣሕደረ። እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኣቶም ምስ ዓረፈ ድማ ተነበዩ፤ ደጊሞም ግና ኣይተናገሩን።
እግዚኣብሄር ከዓ ብዓምዲ ደመና ወረደ፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንማርያምን ፀውዖም፤ ክልቲኦም ከዓ ቕርብ በሉ።
“ሕዚ ኸዓ እልምነካ ኣለኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር! ሓይልኻ ኣርእየና፤ ከምቲ ዘተስፈኻዮ ኸዓ ግበር።
ስም እግዚኣብሄር ክፅውዕ እየ እሞ፥ ንኣምላኽና ልዕልና ሃቡ።”
ሽዑ ሳሙኤል እንተይሓብአ ኵሉ ነገሮ። ኤሊ ድማ “ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፤ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በለ።