21 “ሽዱሽተ መዓልቲ ስርሑ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ኣዕርፉ። ጊዜ ማሕረስን ዓፂድን እንተ ኾነውን፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፉ።”
ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዝኸውን እንሆ ኽልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ማሕረስ ኮነ ዓፂድ ዘይብለን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመታት ኣለዋ።
በተን መዓልቲታት እቲኣተን ኣብ ይሁዳ ብመዓልቲ ሰንበት፥ ኣብ መፅመቝ ወይኒ ኽረግፁን፥ ኣእዱግ ፅዒኖም እንዳእቲ ኸእትዉን፥ ወይንን ዘለላ ወይንን በለስን በብዓይነቱ ፅዕነትን፥ ብመዓልቲ ሰንበት ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኡ ረአኹ። ኣነ ኸዓ በታ እቶቶም ዝሸጡላ ኣንፃሮም መስከርኩ።
“ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ግበር፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ብዕራይካን ኣድግኻን፥ እቲ ኣብ ገዛኻ ዝተወልደ ባርያኻን፥ እቲ ስደተኛን ምእንቲ ኸዕርፉ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፍ።
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ስራሕ፤ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ኵሉ ብመዓልቲ ሰንበት ስራሕ ዝሰርሕ ይቀተል።
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኹም ስርሑ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት፥ በዓል ዕረፍቲ ትኹነልኩም፤ ብኣኣ ስራሕ ዝሰርሐ ዅሉ ይቀተል።
እቶም ንምድርኻ ዝሓርሱ ኣብዑርን ኣእዱግን ከዓ፥ ብመስአን ብሰፍእን ዝፀረየ፥ ጨው ዝጥዕም ጕርዲ ኽበልዑ እዮም።
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ይሰራሕ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንቕዱስ ጉባኤ ዝፅውዑላ ሰንበት፥ ዕረፍቲ እያ። ኣብ ዝኾነ ይኹን እትነብርዎ ስፍራ ብመዓልቲ ሰንበት ኣይትስርሑ፤ ሰንበት ናተይ ናይ እግዚኣብሄር እያ።
እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ግና፥ ኢየሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቘጢዑ፥ ነቶም ህዝቢ “ክስርሐለን ዝግባእ ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣለዋኹም። እምበኣር በተን ዕለታት እቲኣተን መፂእኹም ተፈወሱ እምበር፥ ብዕለተ ሰንበት ኣይኮነን” ኢሉ ተዛረቦም።
ተመሊሰን ከዓ ሽቱን ቅብኣትን ኣዳለዋ፤ ግና ኸምቲ ትእዛዝ ሕጊ፥ ሰንበት ስለ ዝኾነ ኣዕሪፈን ወዓላ።
ናብ ዘይሕረስን ዘይዝራእን ወሓዚ ሩባ ዘለዎ ምድሪ ይውሰድዋ። ኣብቲ ሩባ ኸዓ ነታ ዓርሒ ኽሳዳ ጓዕፂፆም ይስበርዋ።
ንባዕሉ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ክገብሮም እዩ። ግራቱ ዝሓርሱን ዓፂዱ ዝዓፅዱን፥ ኣፅዋር ውግኡን ኣቕሓ ሰረገላኡን ዝሰርሑ ክኾኑ እዮም።