Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 34:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኺዳን እኣቱ ኣለኹ፤ ንእኡ ዝመስል ኣብ ኵላ ምድሪ ወይ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ተገይሩ ዘይፈልጥ ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ። እቲ ኣነ ምሳኻ ዝገብሮ ነገር ድማ ዘፍርሕ እዩ እሞ፥ ኵሉ እቲ ንስኻ ኣብ ማእኸሉ ዘለኻ ህዝቢ፥ ግብረይ ግብሪ እግዚኣብሄር ክርኢ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 34:10
28 Referencias Cruzadas  

ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ህዝቢ ምእንቲ ክኾነካ፥ ባዕልኻ ዘድሓንካዮ እዩ። ምእንቲ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝቢ ኢልካ፥ ነህዛብ ምስ ኣማልኽቶም ብዓቢይን ብዘደንግፅ ተኣምራትን ካብ ቅድሚኡ ሰጒጕካ ስምካ ዘፀዋዕኻ፥ ኣብ ምድሪ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ህዝቢ መን ኣሎ?


ንሱ ኣብ ምድሪ ኸም ዓበይቲ ተኣምራት፥ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ኸዓ ዘደንቕ ነገራት ዝገበረ እዩ።


ንሱ በይኑ ዓበይቲ ተኣምራት ዝገበረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።


ግርማ ሓይልኻውን ክናገሩ እዮም፤ ልዕልናኻውን ክነጋገሩ እዮም፤ ብርታዐኻውን ክነጋገሩ እዮም።


ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዙይ ከቶ ኣይገበረሎምን፤ ፍርዱውን ኣይገለፀሎምን። ሃሌ ሉያ።


ቤተ መቕደስካ ቅዱስ እዩ፤ ብፅድቅውን ዘደንቕ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ወሰን ምድርን ኣብ ውሽጢ ርሑቕ ባሕርን፥ ንዘለዉ ዅሎም ተስፋኦም ዝኾንካ፥ ኦ ኣምላኽናን መድሓኒናን ስምዐና።


ንእግዚኣብሄር ከምዙይ በልዎ፦ ስራሕኻ ግሩም እዩ፤ ሓይልኻ ብዙሕ እንትኸውን ፀላእትኻ ሓሰዉኻ።


ንዑ ስራሕ እግዚኣብሄር ረአዩ፤ ካብ ደቂ ሰብ ብምኽሩ የመና ግሩም እዩ።


እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቕዱሳኑ ዘደንቕ እዩ፤ ኣምላኽ እስራኤል፥ ንህዝቡ ሓይልን ፅንዓትን ይህብ። እግዚኣብሄር ይመስገን።


በይኑ ዘደንቕ ተግባራት ዝገብር፥ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ይመስገን።


ነፍሲ መኳንንቲ የውፅእ፤ ንነገስታት ምድሪ ኸዓ የፍርሕ።


ተኣምራት እትገብር ኣምላኽ፥ ንስኻ ኢኻ፤ ንህዝብኻ ሓይልኻ ኣርአኻዮም።


ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ በረኻ ጣኔዎስ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም፥ ተኣምራት ገበረ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “በዝ ቓል እዙይ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ኣትየ እየ እሞ፥ ነዝ ቓል እዙይ ፀሓፎ” በሎ።


ሙሴ እንጀራ እንተይበልዐን ማይ እንተይሰተየን፥ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ነቲ ቓል ኪዳን፥ ዝኾነ ዓሰርተ ትእዛዛት፥ ኣብተን ፅላት ፀሓፎ።


ዘይተፀበናዮ ዘገርም ግብሪ ምስ ገበርካ፥ ወረድካ እሞ እምባታት ኣብ ቅድሜኻ ኣንቀጥቀጡ።


ንህዝብኻ እስራኤል፥ ብምልክትን ብዘደንቕን፥ ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐ ቕልፅምን ብዘርዕድ ግርማን ካብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኻዮም።


ከምቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፃእኻለን ዘመን፥ ተኣምራት ከርእዮም እየ።


እቲ ኣዒንትኹም ዝረአይዎ ነዞም ዓበይትን ዝፍርሑን ነገራትውን ዝገበረልኩም ንሱ ኽብርኹም እዩ። ንሱውን ኣምላኽኩም እዩ።


ኣምላኾም እንተ ዘይሸጦም፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምስ ከመይ ገይሩ ደኣ ሓደ ንሽሕ ይሰጎም? እቶም ክልተኸ ንዓሰርተ ሽሕ ከመይ ገይሮም የህድምዎም?


እቲ ኽትፍፅምዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳኑ፥ ዓሰርተ ትእዛዛት ድማ ገለፀልኩም። ኣብ ክልተ ፅላት እምኒ ኸዓ ፀሓፎ።


በቲ እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ተቘጢዕዎ ዝነበረ ቝጥዓ ኸየጥፍአኩም ፈራሕኹ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ እውን እግዚኣብሄር ሰምዐኒ።


መለኸት ምስ ተነፍሐ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። እቶም ህዝቢ ድምፂ መለኸት ምስ ሰምዑ፥ ዓው ኢሎምውን ድምፂ ምስ ኣስምዑ፥ እቲ መንደቕ ፈረሰ። ነፍሲ ወከፍ በብዘለዎ ደዪቡ ናብታ ኸተማ ሰተት ኢሉ ኣተወ፤ ነታ ኸተማ ድማ ሓዝዋ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos