Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 34:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፅረብ። ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቓላት፥ ኣብዘን ፅላት እዚኣተን ክፅሕፎ እየ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 34:1
11 Referencias Cruzadas  

ኦ ጐይታ፥ ቃልካ ኣብ ሰማይ ንዘለኣለም ይነብር።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናባይ ናብዝ እምባዙይ ደይብ፤ ኣብኡ ኸዓ ፅናሕ፤ ፅላት እምንን ነቲ ንህዝቢ ኽትምህሮም ኢለ ኣብኡ ዝፀሓፍክዎ ሕግን ትእዛዝን ክህበካ እየ” በሎ።


እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ በፃብዕቲ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃቦ።


እተን ፅላት ድማ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ ነበራ፤ ኣብተን ፅላት ዝተቐርፀ ፅሕፈት ከዓ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፅሓፈ ነበረ።


ሙሴ ናብቲ ሰፈር ምስ ቀረበ፥ ነቲ ምራኽን ነቲ ስዕስዒትን ሪኡ፥ ቍጥዓኡ ነደደ እሞ፥ ነተን ፅላት ካብ ኢዱ ደርበየን፤ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኸዓ ሰበረን።


ሙሴ እንጀራ እንተይበልዐን ማይ እንተይሰተየን፥ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ነቲ ቓል ኪዳን፥ ዝኾነ ዓሰርተ ትእዛዛት፥ ኣብተን ፅላት ፀሓፎ።


ሙሴ ኸዓ ኸምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፀረበ። ንፅባሒቱ ድማ ኣንጊሁ ተስአ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞውን፥ ንኽልቲአን ፅላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ናብ እምባ ሲና ደየበ።


ሽዑ ኤርሚያስ ካልእ ጥቕልልቲ ብራና ወሲዱ ንፀሓፊኡ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ሃቦ። ንሱውን ነተን ኣብታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ወሲዱ ዘንደዳ ጥቕልልቲ ብራና ዝነበራ ዅለን ቃላት፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብኣ ፀሓፈን። ካልእ እውን ንኣኣተን ዝመስላ ብዙሓት ቃላት ተወሰኻአን።


እቲ ኽትፍፅምዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳኑ፥ ዓሰርተ ትእዛዛት ድማ ገለፀልኩም። ኣብ ክልተ ፅላት እምኒ ኸዓ ፀሓፎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos