8 ሙሴ ናብቲ ድንኳን ኣቢሉ ክኸይድ እንተሎ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ተሲኡ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ደው ይብል ነበረ፤ ሙሴ ናብቲ ድንኳን ክሳዕ ዝኣቱ ድማ ይጥምቶ ነበረ።
ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን እናወሰደ፥ ኣብ ወፃኢ እቲ ሰፈር፥ ካብቲ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ይተኽሎ ነበረ፤ “መራኸቢ ድንኳን” ኢሉ ድማ ሰመዮ። ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ኸዓ፥ ካብቲ ሰፈር ወፂኡ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይኸይድ ነበረ፤
ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ኣተወ፥ እቲ ዓምዲ ደመና ወሪዱ፥ ኣብ ኣፍ ድንኳን ይቐውም ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ይዛረቦ ነበረ።
ንሳቶም ከዓ ኻብ ድንኳን ቆሬን ዳታንን ኣቤሮንን ረሓቑ። ዳታንን ኣቤሮንን ግና ወፂኦም፥ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ህፃናቶምን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳናቶም ደው በሉ።