5 እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል “ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ዝኾንኩም ህዝቢ ኢኹም። ኣነ ንቕፅበት ዓይኒ ምሳኻትኩም እንተ ዝኸይድ፥ ምወዳእኹኹም ነይረ፤ ሕዚ ኸዓ ንኣኻትኩም እንታይ ከም ዝገብረኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ሽልማትኩም ካባኻትኩም ኣወግዱ” ኢልዎም ነበረሞ።
እምበኣር ከምቲ ናባይ ዝበፅሐ ኣውያት ገይሮም እንተ ኾይኖም ወሪደ ኽርኢ እየ፤ እንተ ዘይኮነውን ክፈልጥ እየ።
ንሱ ድማ “ንወድኻ፥ ነዝ ሓደ ወድኻ እኳ ኻብ ዘየናሕሰኻሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርሕ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ እዝ መንእሰይ ከይትዝርግሕ፤ ጕድኣትውን ከይተብፅሐሉ” በሎ።
ንሳቶም ከም ቅፅበት ዓይኒ ፍርቂ ለይቲ ይሞቱ፤ እቲ ህዝቢ ተንቀጥቂጡ ይሓልፍ፤ ሓያላትውን፥ ብዘይ ኢድ ይንቀሉ።
ኦ ጐይታ፥ መርምረኒ፤ ንልበይውን ፍለጥ፤ ፈትነኒ፤ መንገደይውን ፍለጥ፤
ከመይ ንጥፍኣት ኮኑ? ብድንገት ሃለቑ፤ ብሓጢኣቶም ድማ ጠፍኡ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ሪአዮ ኣለኹ፤ እንሆ ተሪር ዝኽሳዱ ህዝቢ እዩ።
ስለዙይ ደቂ እስራኤል ካብ እምባ ኮሬብ ንነዘው ሽልማቶም ኣወገዱ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክትበኽዩን ዋይ ዋይ ክትብሉን ርእስኹም ክትላፅዩን ወጮ ኽትክደኑን ፀውዐኩም።
ህልኸኛ ምዃንካ፥ ክሳድካ ኸም ጅማት ሓፂን፥ ግምባርካውን ከም ነሃስ ምዃኑ፥ እፈልጥ እየ እሞ፥
ዋው። ሓጢኣት ህዝበይ፥ ዝኾነ ኢድ እንተይነኽኣ፥ ካብ ሓጢኣት እታ ብቕፅበት ዝተገልበጠት ሰዶም ይዓቢ።
እምበኣርከስ ሕዚ እውን፥ ብፆምን ብብኽያትን ብሓዘንን፥ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ካብዝ ጉባኤ እዙይ ተፈለዩ፤ ብቕፅበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ” በሎም።
“ኣቱም ተረርቲ ኽሳድ፥ ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገረዘ፤ ንስኻትኩምውን ከም ኣቦታትኩም፥ ንመንፈስ ቅዱስ ኵሉ ጊዜ ትቃወምዎ ኣለኹም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፥ ትእዛዛቱ ትሕልዉ እንተ ዄንኩም ወይ ዘይትሕልዉ እንተ ዄንኩም፥ ኣብ ልብኹም ዘሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ክፍትነኩም ኢሉ ብመከራ ኸም ዘሕለፈኩም ዘክሩ።