4 እቶም ህዝቢ ድማ እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ክጕህዩ ጀመሩ፤ ካብኣቶም ከዓ ሓደ እኳ ገይፂ ዝገበረ ኣይነበረን።
ሜምፊቦስቴ ወዲ ወዱ ንሳኦልውን ንንጉስ ክቕበሎ ወሪዱ ነበረ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም ዝተመለሰላ መዓልቲ እግሩ ኣይሓፀበን ጭሕሙውን ኣይላፀየን፤ ክዳኑውን ኣይሓፀበን ነበረ።
ኣክኣብ ዘረባ ኤልያስ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ፆመ፤ ኣብ ወጮ ድማ ደቀሰ፤ ጕህዩን ሓዚኑን ቀስ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።
ንጉስ ሕዝቅያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳኑ ቐዲዱ፥ ወጮ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ።
ነዝ ነገር እዙይ ምስ ሰማዕኹ ድማ፥ ክዳነይን ባርኖሰይን ቀደድኩ፤ ፀጒሪ ርእሰይን ጭሕመይንውን ነፀኹ፤ ሓዚነ ድማ ኮፍ በልኩ።
ሽዑ ኢዮብ ተሲኡ ብሓዘን ክዳኑ ቐደደ፤ ርእሱውን ተላፀየ፤ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና፥ ዓው ኢሎም በኸዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኽዳውንቶም ብጓሂ ቐደዱ፤ ናብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ።
ስለዙይ ደቂ እስራኤል ካብ እምባ ኮሬብ ንነዘው ሽልማቶም ኣወገዱ።
ኣትን ጥዒሙክን ዘለኽን ኣንስቲ፥ ደጊም ተሸበራ፤ ኣትን ግዲ ዘይብልክን ኣዋልድ ረዓዳ። ክዳንክን ቀንጥጣ እሞ ጥራሕኽን ኩና። ኣብ ሕቘኽን ከዓ ወጮ ተዓጠቓ።
ስቕ ኢልካ እህህ በል፤ ንምዉታት ከም ዝልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፤ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፤ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፤ ከናፍርካ ኣይትሸፍን፤ እንጀራ ሕዙናትውን ኣይትብላዕ።”
መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኹም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ክኸውን እዩ፤ ዋይ ዋይ ኣይትብሉን፤ ኣይትበኽዩን ከዓ ኢኹም፤ ግናኸ ብሰንኪ ሓጢኣትኩም ክትማስኑ፥ ነንሓድሕድኩም ከዓ እህህ ክትብሉ ኢኹም።
ሽዑ ዅላቶም ኣሕሉቕ ባሕሪ፥ ካብ ዝፋናቶም ክወርዱ፥ ባርኖሶም ክቕንጥጡ፥ ጥሉፍ ኣልባሶም ክድርብዩ፥ ስምባደ ክኽደኑ፥ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ፥ ኵሉ ጊዜ ፈጥፈጥ ክብሉ፥ ብኣኺውን ክስክሑ እዮም።
ኣብ ምድቃሶም ኮይኖም ይበኽዩ ነበሩ እምበር፥ ብልቦም ናባይ ኣየእወዩን፤ ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፤ ኣብ ልዕለይ ግና ዓመፁ።
ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን፥ ንኣልኣዛርን ንኢታምርን “ከይትሞቱ፥ ነዝ ህዝቢ እውን እግዚኣብሄር ከይቝጥዖ፥ ብሓዘን፥ ፀጕሪ ርእስኹም ኣይትላፅዩ፤ ክዳውንትኹምውን ኣይትቕደዱ፤ በዝ እግዚኣብሄር ዘቃፀሎ ምቅፃል ኣሕዋትኩም ድማ፥ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ይብከ።
እዝ ወረ እዙይ ናብ ንጉስ ነነዌ በፅሐ፤ ንሱ ድማ ኻብ ዙፋኑ ተሲኡ፥ ልብሲ መንግስቱ ቐንጠጠ፤ ወጮ ተኸዲኑውን ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ።
ነቶም ካህናት ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄርን ንነቢያትን “ከምቲ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝገበርኩዎዶ ኣብ ሓምሻይ ወርሒ ምፍላይን ምብካይንዶ ይግብአኒ?” ኢሎም ክናገሩ ልኢኽዎም ነበረ።
“ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘በዘን ሰብዓ ዓመታት፥ ኣብ ሓምሻይን ሻውዓይን ወርሒ እትፆሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምስ፥ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝፆምኩምለይ?
በታ ለይቲ እቲኣ ዅሎም ማሕበር እስራኤል ቃሎም ዓው ኣቢሎም እናበኸዩ ሓደሩ።
ሙሴ እዝ ነገራት እዙይ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ምስ ተዛረቦም እቶም ህዝቢ ብዙሕ ሓዘኑ።
ካብ ሰብ ቤት ሳሚስ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝጠመቱ ቐሰፎም፤ ካብቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ሓሙሽተ ሽሕ፥ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ስለ ዝቐሰፎ ድማ እቶም ህዝቢ በኸዩ።