6 ንፅባሒቱ እቶም ህዝቢ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረቡ። ክበልዑን ክሰትዩን ተቐመጡ፤ ክደርፉውን ተስኡ።
ኣሮን እዙይ ምስ ረአየ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ምራኽ መሰውኢ ሰርሐ፤ “ፅባሕ ናይ እግዚኣብሄር በዓል እዩ” ኢሉ ድማ ኣወጀ።
ኣብቲ ጥቓ ዅሉ መሰውኢ፥ ነቲ ብትሕጃ ዝተወሰደ ኽዳውንቲ ተነፂፎምዎ ይድቅሱ፤ ኣብ ውሽጢ ቤት ኣምላኾም ድማ፥ ነቲ ንኻሕሳ ዝተወሰደ ወይኒ ይሰትዩ።
ንበዓላትኩም ድማ ናብ ሓዘን፥ ንዅሉ መዝሙርኩም ከዓ ናብ ብኽያት ክልውጦ እየ፤ ኵሉ ጐድኒ ወጮ ኸም ዝኽደን፥ ኵሉ ርእሲ ድማ ኸም ዝንፀ ኽገብር እየ። ብሞት ሓደ ውሉዶም ከም ዝሓዝኑ፥ መወዳእታውን ከም መራር መዓልቲ ኽገብር እየ።
ነቶም ህዝቢ ኸዓ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽቶም ፀውዕዎም። እቶም ህዝቢ እውን ካብቲ ዝተሰውአ በልዑ፤ ንኣማልኽቶም ድማ ሰገዱ።
“እቲ ህዝቢ ኽበልዕን ክሰትን ተቐመጠ፤ ክፃወትውን ተስአ” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ከምቶም ገሊኣቶም፥ መምለኽቲ ጣዖት ኣይትኹኑ።
እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ በዞም ክልተ ነቢያት እዚኣቶም፥ ይሳቐዩ ስለ ዝነበሩ፥ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ብሞት እዞም ክልተ ነቢያት ኽሕጐሱ፥ ባህውን ክብሎም እዩ፤ ንስንሳቶም ከዓ፥ ውህብቶ ኽወሃሃቡ እዮም።