Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 32:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ኣሮን እዙይ ምስ ረአየ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ምራኽ መሰውኢ ሰርሐ፤ “ፅባሕ ናይ እግዚኣብሄር በዓል እዩ” ኢሉ ድማ ኣወጀ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 32:5
18 Referencias Cruzadas  

ኣብተን ደብዳቤታት ድማ፦ “ፆም ኣውጁ፤ ንናቡቴ ከዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ፥ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣቐምጥዎ።


ኢዩ ኸዓ “ንጣዖት በዓል ዓብዪ በዓል ግበሩሉ” በለ። ንሳቶም ድማ በዓል ኣወጁ።


ካህን ኦርያ ኸዓ ኸምቲ ንጉስ ኣካዝ ካብ ደማስቆ ዝሰደደሉ ገይሩ ነቲ መሰውኢ ሰርሖ። ንጉስ ኣካዝ ካብ ደማስቆ ቅድሚ ምምላሱ ድማ ፈፀሞ።


ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ፋሲካ ኸብዕሉ ኢሎም፥ ካብ ቤርሳቤህ ክሳዕ ዳን ኣብ ኵሉ እስራኤል ኣዋጅ ክእወጅ ወሰኑ። እዙይ መግበሪኦም ድማ ህዝቢ እስራኤል ንበዓል ፋሲካ ኻብ ነዊሕ ዘመን ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ገይሮም ዘየብዕልዎ ስለ ዝነበሩ እዩ።


ሙሴ ድማ፥ “ንእግዚኣብሄር በዓል ክንገብረሉ ኢና እሞ፥ ምስ ኣናእሽቱናን ዓበይትናን፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን፥ ኣጣልናን ኣባጊዕናን ከፍትናን ኢና እንኸይድ” በሎ።


ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።


ሙሴ ኸዓ መሰውኢ ሰርሐ፤ “እግዚኣብሄር ሰንደቕ ዕላማይ እዩ” ኢሉ ድማ ሰመዮ።


ንሱ ኸዓ ነቲ ቐለበታት ተቐቢሉ ኣምከኾ፤ ኣፍሲሱ ድማ ምስሊ ምራኽ ገበሮ። ንሱ ድማ “ኦ እስራኤል! ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም” በሎም።


ንፅባሒቱ እቶም ህዝቢ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረቡ። ክበልዑን ክሰትዩን ተቐመጡ፤ ክደርፉውን ተስኡ።


“ኤፍሬም ሓጢኣት ንምስራሕ ኢሉ ብዙሕ መሰውኢታት እንተ ሰርሐ እኳ፥ እቲ መሰውኢታት ንሓጢኣት ኮኖ።


“እስራኤል ንፈጣሪኡ ረስዐ፤ መስገዲታትውን ሰርሐ። ይሁዳ ኸዓ ዕሩዳት ከተማታት ኣብዝሐ፤ ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻቶም ድማ ኽበልዖ እዩ።”


ንህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝተቐደሰ ጉባኤ ኢልኩም እትእውጁለን በዓላተይ እዚኣተን እየን፦


በታ መዓልቲ እቲኣ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ። እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ።


ቅዱስ ጉባኤታት እትእውጁለን፥ ዕለታት እቲ በብመዓልቱ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእትን ቍርባን እኽልን መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ መስተን እተቕርቡለን በዓላት እዚኣተን እየን።


እተን ኣብ ምዱብ ጊዜያተን ንህዝቢ እስራኤል እትእውጁወን በዓላተይ እዚኣተን እየን።


ስለዙይ በቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባዅዕቲ ኽፍኣትን ሕሰምን ዘይኮነ፥ ብዘይበዅዐ ቅጫ፥ ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።


ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። እዙይ እቲ ሳኦል ንእግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ቐዳማይ መሰውኢ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos