4 ንሱ ኸዓ ነቲ ቐለበታት ተቐቢሉ ኣምከኾ፤ ኣፍሲሱ ድማ ምስሊ ምራኽ ገበሮ። ንሱ ድማ “ኦ እስራኤል! ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም” በሎም።
እቲ ንጉስ ድማ መኺሩ ኽልተ ምራኹት ወርቂ ገበረ፤ ነቶም ህዝቢ ኸዓ “ኦ እስራኤል! ናብ ኢየሩሳሌም ምድያብ ይበዝሐኩም ኣሎ፤ እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኹም ኣማልኽትኹም ረአዩ እኒሀዉልኩም” በሎም።
ኢዮርብዓም ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ከምቲ ኣብ ይሁዳ ዝግበር በዓል፥ በዓል ገበረ። ነቶም ዝሰርሖም ምራኹት ክስውአሎም ኣብ ቤቴል ናብቲ መሰውኢ ደየበ። ነቶም ዝመረፆም ካህናት ኣብ ቤቴል ኣብቲ ዝስገደሉ ኣንበሮም።
ኢዩ ኸዓ “ንጣዖት በዓል ዓብዪ በዓል ግበሩሉ” በለ። ንሳቶም ድማ በዓል ኣወጁ።
ግና ካብቲ ንእስራኤል ዝስሐተ ካብ ኢዮርብዓም ወዲናባጥ ሓጢኣት፥ ኣብ ቤቴልን ኣብ ዳንን ካብ ዝነበሩ ምስሊ ወርቂ ምራኹት ኢዩ ኣይረሓቐን።
ኢዮርብዓም ግና ንዀረብታታት መስገዲታትን ንኣጋንንቱን ንዝሰርሖም ምራኹትን ዘገልግሉ ኻህናት ኣቖመ።
“ሕዚ ኸዓ ነታ ንደቂ ዳዊት ዝሃባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኽትቃወምዋ ትሓስቡ ኣለኹም። ብርግፅ ንስኻትኩም ዓብዪ ህዝቢ ኢኹም፤ እቶም ኢዮርብዓም ኣማልኽትኹም ክኾኑ ብወርቂ ዝሰርሖም ምራኹትውን ምሳኻትኩም ኣለዉ።
ወርቂ ኣፍሲሶም ብምስሊ ምራኽ ጣዖት ገበሩ፤ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና እዙይ እዩ’ እናበሉ ኬርና ኣቘጥዑኻ።
“ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
ብዘይ ዘኣይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፤ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።
“ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፥ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ኣብ ማይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ብዝኾነ ኣምሳል ዝተቐረፀ ምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር።
ከምቲ ቐራፅ እምኒ፥ ማሕተም ክቐርፅ እንተሎ ዝገብሮ ጌርካ፥ ኣብ ክልቲኡ እምኒ፥ ስም ደቂ ያእቆብ ቅረፅ። ነቲ እምኒ ኽሕዞ ኸዓ ብወርቂ ዝተሰርሐ ትንጎ ኣብ ዙርያኡ ግበረሉ።
“ክልተ እምኒ መረግድ ውሰድ እሞ፥ ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቂ ያእቆብ ስም ቅረፀሉ።
እቶም ህዝቢ፥ ሙሴ ኻብ እምባ እንተይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአዩ፥ ተኣኪቦም ናብ ኣሮን ከዱ እሞ “ነዝ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ ተስእ፤ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ኸዓ ግበረልና” በልዎ።
ኣነ ድማ ‘ወርቂ ዘለዎ ኣውፂኡ ይሃበኒ’ በልክዎም። ንሳቶም ከዓ ሃቡኒ፤ ኣነ ድማ ናብ ሓዊ ደርበኽዎ፤ እዝ ምራኽ እዙይ ከዓ ወፀ።”
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐለበታት ወርቂ ኣኪቦም፥ ናብ ኣሮን ኣምፅእዎ።
ኣሮን ንዝሰርሖ ምራኽ ስለ ዝሰርሑ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ቐሰፎም።
ኣሮን እዙይ ምስ ረአየ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ምራኽ መሰውኢ ሰርሐ፤ “ፅባሕ ናይ እግዚኣብሄር በዓል እዩ” ኢሉ ድማ ኣወጀ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እዞም ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮም ህዝብኻ፥ ሓጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፥ ኪድ ውረድ።
ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መንገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ። ካብ ወርቂ ፍሲ፥ ምስሊ ምራኽ ገይሮም ከዓ ሰገዱሉን ሰውኡሉን፤ ‘ኦ እስራኤል! እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም’ ድማ በሉ” ኢሉ ተናገሮ።
ነቲ ብብሩር ዝተለበጠን ኣብ ወርቂ ዝጠለቐን ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ጣዖታትካ ክተርክሶ፥ ከም ርኹስ ነገርውን ክትጕሕፎን “ወጊድ ካብዙይ ረሓቕ” ክትብሎን ኢኻ።
ወርቂ ካብ ከረጢት ይዝርግፉ፤ ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ፤ ምስ ኣንጠረኛ ይወዓዓሉ፤ ንሱውን ኣምላኽ ገይሩ ይሰርሐሎም፤ ንሳቶም ከዓ ይሰግዱሉን የምልኽዎን።
ምስ ናይ እዙይ ከዓ ነቲ ምስቶም ብጓላ እንተላ ምስኣ ዝደቀሱን፥ ኣጥባት ድንግልናኣ ዳህሲሶም ዝሙቶም ዘፍሰሱላ ግብፃውያን፥ ምዝማዋ ኣይሓደገትን።
እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩ ሰባት፥ ስለ እቲ ኣብ ቤት ኣዌን ዘሎ ጣዖት ብተይ ክፈርሑ እዮም። ክብረቱ ኻብኡ ስለ ዝኸደ፥ እቶም ህዝቢ ኸልቅሱሉ፥ እቶም ንእኡ ዘገልግሉ ኻህናት ድማ፥ ምእንታኡ ኽበኽዩሉ እዮም።
ሕዚ እውን ሓጢኣት ክሰርሑ ወሰኹ፤ ብብሩሮም መኺኹ ዝተሰርሐ ምስሊ ኸም ጥበቦም ጣዖታት ሰሪሖም እዮም፤ ኵሎም ከዓ ስራሕ ኢድ ሰብ እዮም። ብዛዕባኣቶም ድማ “እቶም ዝስውኡ ሰባት፥ ነቲ ጣዖት ብተይ ይሳለምዎ” ይብሉ።
“እምበኣርከስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ካብ ኮንናስ፥ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን ዝተገብረ፥ ቅርፂ ወርቂ፥ ወይ ብሩር፥ ወይ እምኒ ኸም ዝመስል ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ክነመሳስሎ ኣይግብአናን እዩ።
በቲ ቕነ እቱይ፥ ብምስሊ ምራኽ ጣዖት ኣቖሙ፤ መስዋእቲ ድማ ሰውኡሉ፤ ብስራሕ ኣእዳዎምውን ደስ በሎም።
“እቲ ህዝቢ ኽበልዕን ክሰትን ተቐመጠ፤ ክፃወትውን ተስአ” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ከምቶም ገሊኣቶም፥ መምለኽቲ ጣዖት ኣይትኹኑ።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝበደልኩም ድማ ረአኹ፤ ካብ ወርቂ ዝፈሰሰ ምስሊ ምራኽ ጌርኩም ጣዖት ሰራሕኹም፤ ስለዙይ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኩም መንገዲ ቐልጢፍኩም ኣግለስኩም።
እስማኤላውያን ስለ ዝነበሩ ናይ ወርቂ ኵትሻ ነበሮምሞ፥ ጌዴዎን “ኵልኻትኩም ካብቲ ዝማረኽኩምዎ ኵትሻኹም ንኽትህቡኒ እልምነኩም ኣለኹ” በሎም።
ጌዴዎን ድማ ንእኡ ኤፉድ ገይሩ፥ ኣብ ከተማኡ ኣብ ኤፍራታ ኣንበሮ። ኵሉ እስራኤል ከዓ ደድሕሪኡ ስዒቡ ኣመንዘረሉ። እዙይ ከዓ ንጌዴዎንን ንቤተሰቡን መፈንጠር ኮነ።