2 ኣሮን ድማ “እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ቐለበታት ኣኪብኩም ኣምፅኡለይ” በሎም።
እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ረወያ፥ እቲ ሰብኣይ ሓሙሽተን ፈረቓን ግራም ዝሚዛኑ ወርቂ ቐለቤት፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂ ኣውፂኡ ድማ ኣብ ኣእዳዋ ገበረላ።
ኣነ ኸዓ ‘ኣቲ፥ ጓል መን ኢኺ?’ ኢለ ጠየቕክዋ። ንሳ ድማ፥ ‘ጓል ባቱኤል ወዲ ናኮር፥ ሚልካ ዝወለደትሉ እየ’ በለትኒ። ሽዑ ኣነ ቐለቤት ኣእተኹላ፤ ኣምባር ከዓ ኣብ ኣእዳዋ ገበርኩላ።
ብዘይ ዘኣይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፤ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐለበታት ወርቂ ኣኪቦም፥ ናብ ኣሮን ኣምፅእዎ።
ድሌት ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን መፂኦም፥ ቍልፍታትን ቀለበታት እዝንን ቀለበታት ኣፃብዕትን ኣምባራትን ኵሉ ኣቑሑ ወርቅን ሃቡ። ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር መባእ ወርቂ ኣቕረበ።
ንትሰምዕ እዝኒ፥ ዝግስፅ ለባም ሰብ፥ ከም ኵትሻ ወርቅን ከም ዘንፀባርቕ ዕንቍን እዩ።
ኩትቻ እዝነንን ኣምባር ኢደንን መሸፈኒ ገፀንን፥
ነቲ ብብሩር ዝተለበጠን ኣብ ወርቂ ዝጠለቐን ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ጣዖታትካ ክተርክሶ፥ ከም ርኹስ ነገርውን ክትጕሕፎን “ወጊድ ካብዙይ ረሓቕ” ክትብሎን ኢኻ።
እቲ ኣነ ዝሃብኩኺ ፅቡቕ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ኣልዒልኪ፥ ምስልታት ሰብኣይ ንኣኺ ገበርኪ፤ ምስኣቶም ድማ ኣመንዘርኪ።
ንሳ፥ እኽልን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፥ እቲ ንበዓል ዝበሃል ጣዖት ዝተሰርሐ፥ ብሩርን ወርቅን ኣነ ኸም ዘብዛሕኩላ ኣይፈለጠትን።