16 እተን ፅላት ድማ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ ነበራ፤ ኣብተን ፅላት ዝተቐርፀ ፅሕፈት ከዓ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፅሓፈ ነበረ።
ኣበይሞ ብሓፂንን ብዓረርን ብነሓስን፥ ኣብ ኰዅሒ ንሓዋሩ እንተ ዝቕረፅ፥
እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ በፃብዕቲ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃቦ።
ሙሴ ድማ ተመሊሱ፥ ነተን ክልተ ፅላት ኪዳን ሒዙ ኻብቲ እምባ ወረደ። ንሳተን ብኽልቲኡ ገፀን፥ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ዝተፅሓፋ ነበራ።
ኢያሱ ድማ እቶም ህዝቢ ክዕልሉን ዋዕ ዋዕ ክብሉን ምስ ሰምዐ፥ ንሙሴ “ኣብቲ ሰፈር ድምፂ ውግእ ይስማዕ ኣሎ” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፅረብ። ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቓላት፥ ኣብዘን ፅላት እዚኣተን ክፅሕፎ እየ።
ሙሴ ኸዓ ኸምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፀረበ። ንፅባሒቱ ድማ ኣንጊሁ ተስአ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞውን፥ ንኽልቲአን ፅላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ናብ እምባ ሲና ደየበ።
ንስኻትኩም፥ ካብ ክርስቶስ ዝተልኣኸት፥ ብኣናውን ዝበፅሐት፥ ብቐለም ዘይኮነ፥ ብመንፈስ እቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፈት፥ ኣብ ፅላት እምኒ ዘይኮነ፥ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተቐርፀት መልእኽቲ ምዃንኩም፥ ግሁድ እዩ።
ደቂ እስራኤል፥ ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝኾነ ኽብሪ፥ ገፅ ሙሴ ምጥማት ሰኣኑ። እቲ ኣብ ፅላት እምኒ ብፊደል ዝተቐርፀ፥ ሞት ዘስዕብ ሕጊ፥ ብኽብሪ ኻብ ተገልፀ፥
“ሽዑ እግዚኣብሄር ‘ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ፅላት እምኒ ፅረብ እሞ ናባይ ናብዝ እምባዙይ ደይብ፤ ብዕንፀይቲ ጌርካ ድማ ታቦት ስራሕ።
“ካብቲ እምባ ተመሊሰ ወረድኩ፤ እቲ እምባ ድማ ብሓዊ ይቃፀል ነበረ፤ እተን ክልተ ፅላት ኪዳን ከዓ ኣብ ክልቲአን ኢደይ ነበራ።
እንሆ ድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምስ እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፦ ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፥ ኣብ ልቦምውን ክፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኾኖም እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።