9 ኣብዝ መሰውኢ እዙይ፥ ክልኩል ዝኾነ ዕጣን ወይ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተቕርቡሉ። መስዋእቲ መስተ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣይተፍስሱ።
ኣሮን ብደም እቲ ንስርየት ሓጢኣት ዝሕረድ እንስሳ ገይሩ ነቲ ኣቕርንቱ እናለኸየ ነቲ መሰውኢ ይቐድሶ። እዙይ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ዝግበር፥ ንውሉድ ወለዶ ዝኸውን እዩ። እዝ መሰውኢ እዙይ ንእግዚኣብሄር ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።”
ኣጋ ምሸት ድማ ኣሮን ቀንዲል ከብርህ እንተሎ፥ ዕጣን ይዕጠን፤ ስለዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘየቋርፅ ዕጣን እናተከየ ኽነብር እዩ።
ደቂ ኣሮን፥ ናዳብን ኣብዩድን፥ ፀፅንሃሆም ሓዙ፤ ፍሕሚ ድማ ገበሩሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ዕጣን ገበሩሉ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ንሱ ዘይኣዘዞም ካልእ ሓዊ ኣቕረቡ።