8 ኣጋ ምሸት ድማ ኣሮን ቀንዲል ከብርህ እንተሎ፥ ዕጣን ይዕጠን፤ ስለዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘየቋርፅ ዕጣን እናተከየ ኽነብር እዩ።
ንሳቶም ንንጉስ ዖዝያን ተቓወምዎ፤ “ኦ ዖዝያን፥ ንእግዚኣብሄር ዕጣን ምዕጣን ናይቶም ክዓጥኑ ዝተቐደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እምበር ናትካ ኣይኮነን። በዲልካ ኢኻሞ፥ እዙይ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣየኽብረካን እዩ እሞ፥ ካብ ቤተ መቕደስ ውፃእ” በልዎ።
ፀሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን ተቐበለለይ፤ ምልዓል ኢደይውን ከም መስዋእቲ ሰርኪ ይኹን።
ክሳዕ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ኸዓ ሓልውዎ። ሽዑ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክመሲ እንተሎ ይሕረዱ።
“ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሸውዓተ መብራህቲ ግበረሉ። እቲ መብራህቲ ኸዓ ንቕድሚት ኣቢሉ ምእንቲ ኸብርህ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ኣንብሮ።
ኣብቲ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ፅላት ሒዙ ዘሎ ታቦት፥ ኣሮንን ደቁን ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት፥ ነቲ መብራህቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ዝበርህ ይግበርዎ። እዙይ ኣብ ደቂ እስራኤል፥ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹን።
“ኣብኡ ኣሮን ንግሆ ንግሆ ቐናዲል ከዳሉ እንተሎ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይዕጠን።
ኣብዝ መሰውኢ እዙይ፥ ክልኩል ዝኾነ ዕጣን ወይ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተቕርቡሉ። መስዋእቲ መስተ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣይተፍስሱ።
እቲ ዝዅንንከ መን እዩ? እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሞት ዝተስአ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኮይኑውን፥ ምእንታና ዝማልድ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
እንተየቋረፅኩም ፀልዩ፤
ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
ክርስቶስ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ክንዳና ምእንቲ ኽረአየልና፥ ናብ ሰማይ ኣተወ እምበር፥ ናብታ ብኢድ ዝተገብረት፥ ናይታ ምስሊ ናይ ብሓቂ መቕደስ ናብ ዝኾነት ኣይኣተወን።
ኣቦኻ ኣሮን ካህነይ ኮይኑ ናብ መሰውእየይ ክድይብ፥ ዕጣን ክዓጥን፥ ኤፉድ ተዓጢቑ ኸገልግለኒ ኢለ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ሓርየዮ ነይረ። ኵሉ ብሓዊ ዝቐርብ ናይ ደቂ እስራኤል መስዋእቲ እውን ንቤት ኣቦኻ ሂበዮ ነይረ።