6 ነዝ መሰውኢ እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ቕድሚ ታቦት ኪዳን ተሰቒሉ ዘሎ መጋረጃ ኣንብሮ፤ ኣብቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከቦ መኽደን ታቦት ኣቐምጦ። ኣብኡ ኸዓ ኣነ ምሳኻ ኽራኸብ እየ።
ደቂ እንበረም ኣሮንን ሙሴን ነበሩ፤ ኣሮንውን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝተቐደሰ ክኽውን ተፈለየ። ንሱን ደቁን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዕጣን ክዓጥኑን ከገልግልዎን ብስሙውን ንዘለኣለም ክባርኹን ምሩፃት ነበሩ።
ዳዊት ድማ ንድፊ ናይቲ ገበላ ቤተ መቕደስን ህንፃታቱን መዛግብቱን ደርብታቱን ውሽጣዊ ኽፍልታቱን እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ ቦታኡን ንወዱ ሰሎሞን ሃቦ።
ካብኡ ኣድኪምካ ውቐጦ እሞ፥ ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣንብሮ። እዙይ ንኣኻትኩም ቅዱሰ ቅዱሳን ይኹን።
ነቲ መፆሪ ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ስርሓዮ፤ ብወርቂ ኸዓ ለብጦ።
“ኣብኡ ኣሮን ንግሆ ንግሆ ቐናዲል ከዳሉ እንተሎ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይዕጠን።
ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ ዕጣን ድማ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ኣንበሮ።
ነቲ ታቦት ኪዳን ኣብኡ ኣንብሮ፤ መጋረጃ ጌርካ ኸዓ ጋርዶ።
ነቲ ብወርቂ ዝተገብረ መሰውኢ ዕጣን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኪዳን ኣንብሮ፤ ንኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ከዓ ብመጋረጃ ጋርዶ።
ከይመውት ድማ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ዘሎ ሓጢኣት ዝስረየሉ መኽደን ትኪ ዕጣን ምእንቲ ክኽውሎ፥ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብቲ ሓዊ የትክኮ።
ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣንብረን።
እንሆ ኸዓ መጋረጃ ቤተ መቕደስ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተቐደደ፤ ምድሪ ተናወፀት፤ ኣኻውሕ ድማ ተጨደዱ።
እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፥ ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን፥ ፀጋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ናብቲ ፀጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሄር፥ ብምትእምማን ንቕረብ።