8 ስለዙይ ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣለኹ፤ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፅብቕትን ስፍሕትን ምድሪ፥ ናብ ዓዲ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ከደይቦም እየ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ደቂ ኣዳም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግንብን ክርኢ ወረደ።
እምበኣር ንስንሳቶም ምእንቲ ኸይሰማምዑ፥ ንዑ ንውረድሞ ቛንቋኣቶም ንደባልቕ” በለ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንኣብራም “ዘርእኻ ኣብ ዘይዓዶም ስደተኛታት ኮይኖም ከም ዝነብሩን፥ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ባሮት ገይሮም ከም ዘጨንቑዎምን ብርግፅ ፍለጥ።
ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ግና ኣነ ኽፈርዶም እየ፤ ብድሕሪኡ ብዙሕ ጥሪት ሒዞም ክወፁ እዮም።
እምበኣር ከምቲ ናባይ ዝበፅሐ ኣውያት ገይሮም እንተ ኾይኖም ወሪደ ኽርኢ እየ፤ እንተ ዘይኮነውን ክፈልጥ እየ።
ሽዑ ኣቦኣቶም እስራኤል “ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ከምኡ ግበሩ፦ ካብ ፍረ እዛ ምድሪ ፀፅቡቑ ኣብ ለቛቱኹም ውሰዱ፥ ነቲ ሰብኣይ ዝኸውን ገፀ በረከት፥ በለሳን፥ ቁሩብ ቀመም፥ ቁሩብ መዓር፥ ሽቱን ከርበን ካዕካዕን ለውዝን ተማልኡሉ።
ኣነ ምሳኻ ናብ ግብፂ ኽወርድ እየ፤ ብርግፅ ድማ ኻብኡ ኣነ ኸውፅአካ እየ። ክትመውት እንተለኻ ኸዓ ዮሴፍ ኢዱ ኣብ ዓይንኻ ኸንብር እዩ” በሎ።
ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፥ “ኣነ ኽመውት እየ። እግዚኣብሄር ግና ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ፤ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኽመልሰኩም እዩ” በሎም።
ንጌርጌሳውያንን፥ ንኤዊያዊውን፥ ንዓርካውያንን ንሲናውያንን፥
ንሱ ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኮይኑ ስለ ዘረኸብካዮ ድማ ምስኡ ኺዳን ኣተኻ። ዘርኡ ኣብኣ ምእንቲ ኽነብሩ ኸዓ ምድሪ ከነዓናውያንን፥ ሄታውያንን፥ ኣሞራውያንን፥ ፌርዛውያንን፥ ኢያቡሳውያንን፥ ጌርጌሳውያንን ሃብካዮ። ንስኻ ፃድቕ ስለ ዝኾንካ፥ ነቲ ቓልካ ፈፀምካዮ።
“ምእንቲ ግፍዒ ጥቑዓትን ምእንቲ ብኽያት ምስኪናትን ሕዚ ኽትስእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ድሕነት ክገብር እየ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክገልፆ እየ።”
ቃል እግዚኣብሄር ንፁህ ቃል እዩ፤ ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝተፈተነ ሸውዓተ ሻዕ ዝተፃረየ ብሩር እዩ።
እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጠዓሙን ረአዩን፤ ኣብኡ ዝእመን ሰብ ዝተባረኸ እዩ።
ክፅውዐኒ እዩ፤ ኣነውን ክምልሰሉ እየ፤ ብጊዜ መከራኡ ምስኡ ክኸውን እየ፤ ከናግፎ እየ፤ ከኽብሮውን እየ።
በታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመታት ዝተወድኣላ መዓልቲ፥ ኵሎም ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ወፁ።
እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም።
እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ሽዑ ነዝ በዓል እዙይ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣኽብርዎ ኢኹም።
ካብ መከራ ግብፂ ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ’ ኢሉ እዩ ኢልካ ንገሮም።
ነዝ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ሓልውዎ፤ እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንፌርዛውያንን ንሃዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እየ።
ካብታ ናብ ፈርዖን ከይደ ብስምካ ዝተዛረብኩላ ዕለት፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣጨነቐሉ፤ ንስኻ ድማ ንህዝብኻ ኸቶ ኣየድሓንካዮን” በለ።
ንሰማያት ቀዲድካ እንተትወርድ! እምባታት ኣብ ቅድሜኻ መንቀጥቀጡ።
ሽዑ ኸምዝ ሕዚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከም ዝህቦም ነቦታቶም ኣተስፍየዮም ዝነበርኩ ኽፍፅሞ እየ” ኣነ ኸዓ “ኣሜን ጐይታይ” ኢለ መለስኩ።
“ኣነ ድማ ፍሪኣን ሃብታን ምእንቲ ኽትበልዑ፥ ናብ ፈራዪት ምድሪ ኣእተኹኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣብኣ ምስ ኣተኹም፥ ንምድረይ ኣርከስክምዋ፤ ንርስተይውን ኣርከስኩምዋ።”
ነታ ነቦታቶም ክትህቦም ዝመሓልካሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከዓ ሃብካዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም፥ ናብታ ኣነ ዝሓረኹሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵሉ ምድሪ እትበልፅ ምድሪ ኸእትዎም መሓልኩሎም።
ንስኻትኩም ግና ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም፤ ኣነ ኸዓ “ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ንርስትኹም ክህበኩም እየ” በልኩኹም። ካብ ህዝብታት ዝፈለኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ምድሪ እቲ ኣሞራዊ ምእንቲ ኽትወርሱ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣርብዓ ዓመት ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም።
እታ ሃገር ድማ ኸመይ ከም ዝኾነት፥ እቲ ኣብኣ ዝነብር ህዝቢ እውን ሓያል እንተ ኾይኑ ወይ ድኹም፥ ውሑድ እንተ ኾይኑ ወይ ብዙሕ፥
እታ ዝነብርዋ ምድሪ ድማ ኸመይ ምዃና፥ ፅብቕቲ እንተ ኾይና ወይ ሕማቕ፥ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ከዓ ኸመይ ምዃነን፥ ዕሩዳት እንተ ኾይነን ወይ ዘይተዓረዳ፥
ንሙሴ ድማ “ናብታ ዝሰደድካና ምድሪ በፃሕና፤ ብሓቂ ኸዓ ንሳ ፀባን መዓርን እተውሕዝ እያ፤ ፍረኣ ኸዓ እዙይ እዩ።
ብዘይ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ፥ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደኳ የለን።
ኣነ ኻብ ሰማይ ዝወረድኩ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፥ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኮንኩን።
ካብ ፍረ እታ ምድሪ እውን ብኢዶም ወሰዱ፤ ናባና ኸዓ ኣምፅእዎ። ‘እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝህበና ምድሪ ፅብቕቲ እያ’ ኢሎም ድማ መልሲ ነገሩና።
ካብዙይ ተልዒልኩም ተጕዓዙ፤ ናብ እምባ ኣሞራውያንን ኣብ ጥቓኡ ናብ ዘሎ ዅሉን ናብ ፈለግ ዮርዳኖስን ናብ ደጕዓን ናብ ቈላን ናብ ደቡብን ናብ ወሰን ባሕርን ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ናብ ሊባኖስን፥ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስን እውን ኪዱ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዘተስፈዎ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ምእንቲ ኽትኣትዉ ምስ ተሳገርኩም፥ ንቓላት እዝ ሕጊ እዙይ ኣብኡ ፀሓፍዎ።
ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ክህበኩም፥ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ፥ ፍረ ኸርስኹምን ፍረ እንስሳኹምን ፍረ ምድሪኹምን እግዚኣብሄር ኣፀቢቑ ኸብዝሐልኩም እዩ።
ስለዙይ፥ ኦ ህዝቢ እስራኤል! ስምዑ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝበለኩም፥ ሰናይ ክኾነልኩምን ኣብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ድማ የመና ኽትበዝሑን፥ ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ።
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብታ ኽትወርስዋ ትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ፤ ክትኣትውዋ እንተለኹም ከዓ ንኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ነዞም ሸውዓተ ኻባኻትኩም ዝዓብዩን ዝሕይሉን ብዙሓት ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ምስ ሰጐጎም፥
ደቂ እስራኤል፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ተዋጋእቲ ሰብኡት ብሞት ክሳዕ ዝሃልቁ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጕዓዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ነቦታቶም ዝመሓለሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ከየርእዮም መሓለ።
እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ደጕዓን ቈላን፥ ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ባሕርን ብወገን ሊባኖስን ዝነብሩ ዅሎም ነገስታት እዙይ ሰምዑ። ንሳቶም ከዓ ነገስታት ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ነበሩ።
ሰብ እስራኤል ከዓ ንሔዋውያን “ምናልባሽ ኣብ ማእኸልና እትነብሩ ኸይትኾኑ፥ ከመይ ጌርና ምሳኻትኩም ቃል ኪዳን ክንኣቱ?” በልዎም።