5 እግዚኣብሄር ድማ “ናብዙይ ኣይትቕረብ፤ እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ፥ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ።
ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያ እቲ እምባ ወሰን ግበረሎም። ‘ናብቲ እምባ ኸይትድይቡ፥ ወይ ነቲ እግሪ እምባ ኸይትነኽእዎ ተጠንቀቑ’ ድማ በሎም። ነቲ እምባ ዝነኽኦ ዅሉ ብርግፅ ክመውት እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ውረድ እሞ፥ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ክሪኡ ኽብሉ ናብቲ እምባ ኸይቐርቡ እሞ፥ ብዙሓት ከዓ ኸይጠፍኡስ፥ ኣጠንቅቆም።
ሙሴ ድማ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ክዛረቦ ኢሉ ዝለኣኾ ቓልን፥ ብዛዕባ እቲ ግበሮ ኢሉ ዝኣዘዞ ተኣምራትን፥ ንኣሮን ነገሮ።
ናብ ቤት እግዚኣብሄር እንትትኣቱ እግርኻ ሓሉ፤ ክፉእ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጡን እዮምሞ ኻብ መስዋእቲ ሰነፋት፥ ክትሰምዕ ምቕራብ ይሐይሽ።
መራሒኦም ካብኣቶም ክኸውን እዩ፤ ገዛኢኦም ከዓ ኻብ ማእኸሎም ክትስእ እዩ፤ ናባይ ከቕርቦ እየ፤ ንሱውን ክቐርበኒ እዩ፤ እንተ ዘይኮይኑ ናባይ ደፊሩ ዝቐርብ መን እዩ? ይብል እግዚኣብሄር።
ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፦ “በቶም ዝቐርቡኒ ኽቕደስ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ ክኸብር እየ” ኢሉ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዙይ እዩ በሎ፤ ኣሮን ድማ ስቕ በለ።
እግዚኣብሄር ድማ ‘እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ፥ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ እግርኻ ኣውፅእ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ምእንቲ ኸድሕነኩምን ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ክህበኩምን፥ ብማእኸል ሰፈርኩም ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ዝኾነ ዘሕፍር ነገር ከይሪአልኩም፥ ገፁ ኸዓ ኻባኻትኩም ከይመልስ፥ እቲ ሰፈርኩም ቅዱስ ይኹን።
“እንስሳ እኳ፥ ነቲ እምባ እንተ ነኽአ፥ ብእምኒ ተቐጥቒጡ ይቀተል” ዝብል ትእዛዝ ኽፆርዎ ኣይከኣሉንሞ።
እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ኸምኡ ገበረ።
ኣብቲ ቕዱስ እምባ ምስኡ እንተለና ኸዓ፥ እዝ ድምፂ እዙይ ካብ ሰማይ ክመፅእ እንተሎ፥ ንሕና ባዕልትና ሰሚዕናዮ ኢና።