3 ንሱ ኸዓ “እዛ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ከመይ ኢላ እያ ዘይትቃፀል? እስኪ ነዝ ዓብዪ ትርኢት እዙይ ቅርብ ኢለ ኽርኢ” በለ።
“እምበኣርከስ፥ ኦ ኢዮብ! ነዙይ ስማዕ፤ ቁም፤ ንተኣምራት እግዚኣብሄርውን ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ።
ስለ እቲ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ማእኸል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተርኣዮ። ሙሴ ድማ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እንተይተቓፀለት ሃልሃል እንትትብል ረአያ።
ሙሴ ነዝ ትርኢት እዙይ ምስ ረአየ ተገረመ፤ ክጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፦