22 ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ፥ ካብ ጐረቤታን ካብታ ኣብ ገዛኣ እትነብርን ‘ኣቕሓ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ትለምን።’ ነዙይ ኣብ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ግበርዎ፤ ከምዙይ ጌርኩም ንግብፃውያን ክትዘምትዎም ኢኹም።”
ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ግና ኣነ ኽፈርዶም እየ፤ ብድሕሪኡ ብዙሕ ጥሪት ሒዞም ክወፁ እዮም።
ድሕሪዙይ እቲ ኣገልጋሊ፥ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ኣውፂኡ ንርብቃ ሃባ። ንሓዋን ንኖኣን ድማ ኽቡር ውህብቶ ሃቦም።
ምስ ወርቅን ብሩርን ኣውፅኦም፤ ኣብ ማእኸል ነገዳቶም ደዌ ኣይነበረን።
ሕዚ ኸዓ ነቶም ህዝቢ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ጐረቤቱ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ካብ ጐረቤታ፥ ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኽልምኑ ኣብ ኣእዛኖም ንገሮም” በሎ።
ፃድቕ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርስ፤ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንፃድቕ ይዕቈረሉ።
ኣታ እንተይጠፋእኻ እተጥፍእ፥ ኣታ እንተይተጠለምካ እትጠልም ወይለኻ! ምጥፋእ ምስ ሓደግካ ኽትጠፍእ ኢኻ፤ ወንጀል ምስ ሓደግካ ኽትውንጀል ኢኻ።
በቲ ኣፅዋር ገይሮም ሓዊ ኽእጕዱ እዮም እሞ፥ ካብ በረኻ ዕንፀይቲ ኣየእትዉን፤ ካብ ዱር ከዓ ኣይቘርፁን እዮም፤ ነቶም ዝገፈፍዎም ክገፍዎም፥ ነቶም ዝዘመትዎም ከዓ ኽዘምትዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።