Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 3:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ብርግፅ ተመልኪቱኩም እዩ፤ ነቲ ኣብ ግብፂ ዝገፍዑኹም ድማ ሪኡ ኣሎ፤

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 3:16
31 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ከዓ ጠፈር ገበረ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፤ ከምኡውን ኮነ።


እግዚኣብሄር ከምቲ ዝተናገሮ ንሳራ ዘከራ። እግዚኣብሄርውን ከምቲ ዝተናገሮ ገበረላ።


እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ደው ኢሉ፦ “ኣነ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሓቅን እየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊኣ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ።


ንዮሴፍ ከዓ ኸምዙይ እናበለ መረቖ፦ “እቲ ኣቦታተይ፥ ኣብርሃምን ይስሓቅን፥ ዘገልገልዎ እግዚኣብሄር፥ እቲ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝመገበኒ ኣምላኽ ይባርኮም።


ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፥ “ኣነ ኽመውት እየ። እግዚኣብሄር ግና ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ፤ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኽመልሰኩም እዩ” በሎም።


ስለዙይ ስም እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን፥ ምስጋናኡውን ኣብ ኢየሩሳሌም ክናገሩ፥ ኣህዛብ ብሓድነት ምስ ተኣከቡ፥ መንግስታትውን ንእግዚኣብሄር ክግዝኡ እዮም።


እንሆ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብቶም ዝፈርሕዎ እየን፤ ብምሕረቱውን ናብ ዝእመንኦ እየን።


ንስኻ ኽትሓስቦስ፥ ሰብ እንታይ እዩ? ክትምልከቶኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?


ኣብ ግብፂ ኸዓ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተልዓለ።


ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል “እግዚኣብሄር ብርግፅ ክምልከተኩም እዩ፤ ሽዑ ነዕፅምተይ ካብዙይ ምሳኻትኩም ውሰድዎ” ኢሉ ኣምሒልዎም ነበረ እሞ፥ ሙሴ ነዕፅምቲ ዮሴፍ ምስኡ ወሰዶ።


ኣህዛብ ሰሚዖም ኣንቀጥቀጡ፤ ኣብ ፍልስጥኤም ንዝነብሩውን ቅልውላው ሓዞም።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ካብቶም ዓበይቲ እስራኤል ሒዝካ፥ ካብቶም ህዝቢ ንቕድሚት ኣቢልካ ሕለፍ እሞ፥ ነታ ሩባ ዝወቓዕኻላ በትርኻ ተማሊእኻ ኺድ።


ድሕሪዙይ ሓሙ ሙሴ ዮቶር፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ሕሩድን ንእግዚኣብሄር ወሰደ። ኣሮንን ኵሎም ዓበይቲ እስራኤልን ከዓ ምስ ሓሙ ሙሴ ኾይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጀራ ኽበልዑ መፁ።


እግዚኣብሄር ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ተመልከተ፤ ኩነታቶምውን ፈለጠ።


ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ረአይዎ፤ ኢዱውን ኣብ ልዕሊ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ኣይዘርግሐን፤ ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚኡ በልዑን ሰተዩን።


መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ማእኸል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተርኣዮ። ሙሴ ድማ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እንተይተቓፀለት ሃልሃል እንትትብል ረአያ።


ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከይሪኦ ስለ ዝፈርሐ፥ ገፁ ኸደነ።


ሙሴ ድማ “እንሆ ኣይኣምኑንን፤ ቃለይውን ኣይሰምዑን፤ ‘እግዚኣብሄር ኣይተገልፀልካን’ ክብሉኒ እዮም” በለ።


ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኸይዶም ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከብዎም።


እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝተመልከቶም፥ መከራኦምውን ከም ዝረአየ ምስ ሰምዑ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።


ሽዑ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ዓበይቲ ህዝብን፥ ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዝበሃል ሊቀ ካህናት ተኣከቡ።


“ንህዝቡ ስለ ዝተመልከቶምን ዝተቤዘዎምን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።


ዘመን ድሕነትኪ ሰኣን ምፍላጥኪ፥ ንኣኽን ኣባኺ ንዝነብሩ ደቅኽን፥ ምስ ሓመድ ክሓዋውሱኺ እዮም፤ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒውን ኣይሓድጉልክን እዮም።”


ነቲ ዝተዋፅአ ገንዘብ ድማ፥ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ገይሮም፥ ናብቶም ሽማግለታት ሰደድዎ።


ኣምላኽ፥ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኸቕውም፥ ቅድም ንኣህዛብ ከመይ ገይሩ ኸም ዝበፅሖም፥ ስምኦን ተናጊሩ ኣሎ።


ጳውሎስ ካብ ሚሊጢ፥ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፥ ነቶም ሽማግለታት ናብኡ ፀውዖም።


እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዝሓምዩኹም ዘለዉ፥ ንሰናይ ግብርኹም ሪኦም፥ በታ እግዚኣብሄር ዝምልከተላ መዓልቲ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸኽብርዎ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣፀብቑ።


ኣነ ኸምኣቶም ሽማግለ ዝኾንኩ፥ ናይቲ ክርስቶስ ዝተቐበሎ ስቓይ መስካሪ፥ ኣብቲ ደሓር ክግለፅ ዘለዎ ኽብሪውን ተኻፋሊ ዝኾንኩ፥ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ሽማግለታት፥ እምዕዶም ኣለኹ።


ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝተመልከቶም፥ እንጀራውን ከም ዝሃቦም ሰምዐት እሞ፥ ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ክትምለስ ተልዓለት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos